ኣብ ሊብያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ዝንቀሳቐስ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝበጽሖም ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ሆላንድ (OM) ሓቢሩ። ኣብቲ መስርሕ ድማ በቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ተኣሲሮምን ኣዝማዶም ድማ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ምንባሮምን ኣብሪሁ ኣሎ ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግዳያት ኣብ ሆላንድ ይነብሩ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ትካል ። 191 መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኣኽባር ሕጊ ሆላንድ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ።

እቶም ግዳያት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣዝማዶም በቶም ኣሰጋገርቲ ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብምስጋእ ስሞም ክግለጹ ኣይደለዩን።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዓመጽ ክሳብ ሞት ዝዝርጋሕ እዩ ዝበሉ እቶም ወገናት ። እቶም ግዳያት ቱቦታት ናይ ማይን በትሪን ከምዝተሃርሙን እዚ ድማ ብቪድዮ ከምዝተቐድሐን ሓቢሮም ኣለዉ ። ከምኡ እውን  6 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ በቶም ኣሰጋገርቲ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝወረደን ገለ ካብኡ ድማ ብመልክዕ ቪድዮ ዝተቐድሐ ከምዝነበረን ሓንቲ ካብተን ግዳያት  ንNOS ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ ።

ብመሰረት ሓበሬታ IOM ፡ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ናብ ኣዝማድ እቶም ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደዊሎም ገንዘብ ክኸፍሉ ብምግባር ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዩሮ ኣታዊ ከምዝረኽቡን ጸብጺቡ ኣሎ።

ኣኽባር ሕጊ ሆላንድ ብዛዕባ እቲ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ራዳሮም ከምዝጸንሑን ክልተ መራሕቲ ናይቲ መርበብ ክኣስሩ ከምዝኸኣሉን ይፍለጥ። ኣብ ገበናዊ ትካል ብምስታፍ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ከቢድ መጥቃዕትን ተኸሲሶም ኣብ ሕጊ ክቀርቡ ምኻኖም እውን ኣፍሊጡ ።

ሓደ ካብቶም ክልተ መራሕቲ ጕጅለ ኤርትራዊ ተወልደ .፡ ብወሊድ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሆላንድ ተኣሲሩ ይርከብ። እቲ ካልኣይ ቀንዲ ጥርጡር ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ .፡ ካብ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሆላንድ ዝጸንሐን ቅድሚ ሕጂ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሙ ዝነበረን ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዱባይ ተኣሲሩ ይርከብ።

ምስቶም ገበነኛታት ርክብ ዝነበሮምን  ገንዘብ ኣብ ምእካብን ተዋፊሮም ዝነበሩ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።