ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምክትል ፕረዚደንት ሪያክ ማሻር ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ክልተ ላዕለዎት ሚኒስተራት ጸጥታ ካብ ስልጣኖም ኣባሪርዎም።
እቲ ፕረዝደንት ብዓርቢ ምሸት ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብዝተዋህበ መግለጺ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን በዓልቲ ቤት ምክትል ፕረዝደንት እታ ሃገር ዝኾነት ኣንጀሊና ቴኒ ፣ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማሕሙድ ሰሎሞንን ካብ ስራሕ ከምዘባረሮም ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰንበት ሓቢራ።
እታ ኣፈኛ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ብርዱእ ምኽንያት ካብ ስልጣኖም ከምዝተባረሩ ክትገልጽ ከላ፣ ብምብራር ናይዞም ሰበስልጣን ኣብ ስራሕ ብዝፍጠሩ ልሙዳት ኣገባባት ምኻኖም ገሊጻ ንመተካእታኦም ብዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረስደንት ዝኾነ ውሳነ ከምዘይተዋህበ እውን ሓቢራ ኣላ።
ሓይልታት ሳልቫከርን ርያክማሻርን ነቲ ንኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ዝቀዘፈን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቀጸልን ኲናት ሓድሕድን እታ ሃገር መኸተምታ ክገብሩሉ ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ግን ብተደጋጋሚ ክራጸሙ ጸኒሖም እዮም።
ፕረስደንት ሳልቫኪር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ንሰልፉ ኣረኪብዎ ኣሎ ፡ ብመሰረት ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ሚንስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብሰልፊ ርያክ ማሻር ክምእዘዝ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ፖፕ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፡ ነታ ሃገር ሰላምን ራህዋን ከይትረክብ ዝዓገታ ዓመጽን ብሄራዊ ግጭትን ብልሽውናን ሕቖኦም ክህቡ ንመራሕቲ እታ ሃገር ተማሕጺኖም ምባሮም ዝዝከር እዩ።