ኣብ ስደት ዝነብሩ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ በቲ መራሒኦም ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝገበሮ ቃለ መሕትትን ዘተሓላለፎ ተስፋ ዘቚርጽ መልስታትን ከምዝሓፈሩ ክርዳእ ተኻኢሉ።

ነቲ ሳልሳይ ክፋል በጺሑ ዘሎ ቃለመሕትት ብመንገዲ ዩቱብ ዝከታተሉ ሓያለ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ፡ ካብቲ መራሒ ክሰምዕዎ ዝጽበዩ ዝነበሩ ጥዑም ተስፋ ከምዘይተስምዐ እዚ ድማ ከምዘየዕገቦም ዘንጸባርቚ ርይቶታት ክጽሕፉ ተራእዮም ኣለዉ።

ኣብ’ቶም ብናይ ኤሪቲቪን ፡ ደንደን ሜድያ ዝተባህለ ወኪል ምዝርጋሕ መደባት እታ ተለቪዥንን ዝዉነኑ ናይ ዩቱብ መስመራት ዝጸሓፍ ዘሎ ርይቶታት ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ነቲ ብተስፋ-ቚረጽ ዘረባ መራሒኦም ሰፊኑ ዘሎ ዘይዕጉብነት ዘረጋግጹ እዮም።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብቲ ብ4 መጋቢት ዝቐጸሎ ቃለመሕትት ንዘቤታዊ ጉዳያት ብዝምልከት ዘልዓሎም “ኣይሰራሕናንን ብሕጂ እንተሰራሕናን” ዝብሉ ልሙዳት ኣቕበጽቲ ዕላላት ሓንቲ ከየጉደለ እዩ ደጊምዎም።

እቲ መራሒ ክሳዕ ክንደይ ሽምግልና የህልኾ ከምዘሎ በቲ ኣቐዲሙ እንታይ ኢሉ ምንባሩ ክዝክር ናይ ዘይምኽኣል ኣከያይዳታት ክትግንዘብ ከምዘየጸግም እዉን ምንጭታትና ይሕብሩ።

ብዙሕ እዋን እቲ መራሒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ንዕቀት ስለዘሕደረ መብጸዓታትን ኣብ ባይታ ዘይተቐስመ ተመክሮታት ከዉግዕ ዘየሕንኾ ኮይኑ ክበሃል እኳ እንተጸነሐ፣ ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ኣቐዲሙ ዘዕለሎም ዛንታታት ከም ሓድሽ ዕላል ክደግም፣ ንነገራት ዝህቦም ትንተናታት ሓንቲ ከይወሰኸ ብኸምቶም ኣብ ዓሚን ቅድሚ ዓሚን ዝሃቦም ትንተናታት ክድርብ ምርኣይ ግን ናይ ነገር ንዕቀት ዘይኮነ፣ ምስ ሽምግልናን ንሱ ምስ ዘንቅሎ ኣእምሮእኣዊ ኩነትን ኣተኣሳሲርካ ዝርአ ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ድሕሪ 31 ዓመታት ናጽነት ካብ ዝተወጠኑ መደባት ትሕቲ 20 ሚእታዊት እኳ እንተተዓሚሞም እዮም ኢሉ ብዘይሕንከት ዝዛረብ መራሒ ጎኒፍዎም ምህላዉ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝተሰቆሮም ዝመስል ሓያሎ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ድሮ ነቲ መራሒ ኪዉንጅሉን ድኻማቱ ክዝርዝሩን ጀሚሮም ኣለዉ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኪዛረብዩ ዝተባህለሉ ክልተ ዳሕረዎት ክፋላት ቃለመሕትት ፣ እቲ ሓደ ክፋሉ ብሓዘን ተዛዚሙ እንሆ። ብስራት “መዓርን ጸባን” ዝተጸበዩ ዘይስልክዩ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ፣ መራሒኦም ሓንቲ ከምዘይሰርሐን ተሰሪሑ ዝነበረኳ ከምዘየቐጸለን ኣብ ገጾም ሓቢርዎም እንሆ።

እቲ መራሒ ጉጅለ ፣ ኣብ ዝመጽእ ክፋል ቃለ-መሕትቱ ዘየለዉ መብጸዓታት ከም ልሙድ ክነዝሕ ምዃኑ ዘመላኽቱ ዕላላት ኣብ’ቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ዝነበረ ቃለመሕትት ከምዝተንከፈ ዝሕብሩ ምንጭታትና ፣ ብፍላይ ኤርትራ ብባርያዊ ጸጋታት ዝተተኽተኸት ሃገር ኢያ ዝብል ቅድሚ ሕጂ ክዛረበሉ መሪጹ ዘይፈልጥ ሓድሽ ኣርእስቲ ምልዓሉ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ቃለመሕትት ሰሪዕዎም ንዘሎ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ድጋፍን መእመኒን ኪኾኖ ሓሲቡ ኪኸዉን ከምዝኽእል ይግምቱ።

ድሮ’ዉን ገለ ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ንኤርትራ ከምዛ ሕጂ ዝፈልጥዋ ፡ ኤርትራ ዓዲ መዓድን እያ መጻኢና ስቡሕ እዩ ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።