ብመትረብ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ፣ ካብታ ሃገር ሻቡ ኪጥረዙ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪ ሕጂ እዉን ናብ ብሪጣንያ ከይኣትዉ ንምኽልካሎም መዲቡ ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ብመሰረት ኽትግበር ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ በቲ ማያዊ መስመር ብዘይጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ስደተኛ ኣብ’ታ ሃገር ከይጸንሕን ዳግም ናብታ ሃገር ከይኣቱን ክእገድ እዩ።

በቲ ማያዊ መስመር ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝርከብ መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ዝተረረ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፣ ድሮ ብሓያሎ ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ተቛዉሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ድጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ንመሰል ስደተኛታት ዝሕለቓ ትካላት ብሪጣንያ፡ እቲ ወጽዩ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ንመሰረታዊ ሕጋጋት ኣህጉራዊ ዉዕላት ዝጻባእን ንምትግባሩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ከምዝኾነ ብምምጓት መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ኣትሪረን ይጽዉዓ ኣለዋ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናብታ ሃገር ዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝሕልን ዉዕል ምሉእ ሕጋዉነት ንምልባስ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር እቲ መደብ ንመትከላት ውዕል ቬና ዘይጻረርን ንምትግባሩ ከሰክፍ ዘይብሉን ምዃኑ ኣቐዲሙ እኳ እንተጽደጎ ፣ እቲ ዉሳኔ ብሓያሎ ፍርዳዉያን ኣካላት እታ ሃገር ተወሳኺ ተቛዉሞ ስለዝገጠሞ ገና ኣብ መስርሕ ምህላዉ እዩ ዝንገር።