ፍሉይ ራፖርተር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣቶ መሓመድ ባቢኬር ብ6 መጋቢት ኣብ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰባኣዊ መሰላት ሕጂ’ዉን ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወቲን መስወርቲን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ምስ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘዕግብ ስራሕ ከምዘይኣመዝገበ እዩ ኣቶ መሓመድ ባቢኬር ዝገልጽ።
እቲ ፍሉይ ራፖርቱር ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኪፍትሽ ዘቕረቦ ጠለብ ዛጊት እወታዊ መልሲ ከምዘይረኸበ ብምዝኽካር፣ ናብ ኤርትራ ኪበጽሕ ኪፍቀደሉ ብመንገዲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግበሩ ጻዕርታት ክዛይዱ ጸዊዑ።
ወኪል ህግደፍ ኣብ ባይቶ ሰባኣዊ መሰላት ፣ እዋናዊ ትዕዝብቲ ፍሉይ ልኡኽ ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቅታት ዘንጸባርቕ ከምዘይኮነ ካብ ምሕባር ሓሊፉ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ የመዝግብ ከምዘሎ ዘረጋግጹ ኣብነታት ከምጽእ ኣይተራእየን።
ህግደፍ በቲ ኤርትራ ኣትዩ ከይሰርሕ ክልኪልዎ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ንዝተዋህበ ጸብጻብ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቅታት ዘይዉክል እዩ ምባሉ ፣ ከም ወትሩ ንብዙሓት ወገናት ኣገሪሙ ኣሎ።
ኣብ ባይቶ ሰባኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንካልኣይ እብረ ኣባልነት ሒዛ ንዘላ ኤርትራ ዝመርሕ ህግደፍ ፣ በቲ ባይቶ ንዝተመዘዘ ፍሉይ ራፖርቱር ንኩነታት ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናብ ሃገር ኣትዩ ኸይምርምር ከልኪሉ ከይኣክል፣ እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ዘይደሞክራስያዉያን ስርዓታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዉስኖም ዉሳኔታት ኣብ ምቅዋም ብመሪሕነት ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም ግህሰታት ሰባኣዊ መሰላት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ከምዘሎ ፣ ከም ሓለዋ ሰባኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮሚተ ንድሕት ጋዜጠኛታትን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ዓመታዊ ኣብ ዘካፍልዎም ጸብጻባት ምስ ሓበሩ እዮም።