ኣጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ወጻኢን ተባዒሉ። 8 መጋቢት ብፍላይ ነተን ኣብ ምምጻእን ምቕጻልን ልኣላዊት ኤርትራ ዝሓለፋን ዝሓልፋ ዘለዋን ደቂንስትዮ ዝለዓለ ትርጉም ዘለዋ ኮይኑ፣ እተን ዜጋታት በቲ ኣብ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ስርዓትን ኣካይዳታቱን ሓለፋ ይህሰያ፡ ሃስያአን ነባሪ ፍታሕ ንኽርከበሉ ድማ ቃልስና ከነበራትዕ ከምዝግባእ እተዘኻክረና ዕለት ከምዝኾነት ምንጭታት ኤሪሳት የዘኻኽሩ።

ዝኽሪ ኣጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ዝገዘፈ ኣድህቦኡ ኣብ ሰባዊ ክብረት ደቅንስትዮን ምዝኽኻር ዓለማዊ ማርዕነተንን ዝዓስል’ዩ። 8 መጋቢት – ደቅንስትዮ ዓለም ኽብረን ተዋሒሱ ነጻ ዕድላት ክምዕረየለን እትጽውዕ ዕለት’ያ። ኤርትራዉያን ደቅንስትዮ ግዳ ንማዕርነተን – ድንጋጸን ዊንታን ካልእ ወገን ከይተጸበያሉ ምስ ደቂ-ሓመደን – ንልዕልና ሓመድ ሃገረን – ህያውነተን፡ ኣካለን፡ ግዜአንን ወጅሃተንን ስለዝኸፈላ ገና’ዉን ይኸፍላ ስለዘለዋን ማዕርነተን ክሕለወለን ዘዘኻኽር ወገንን ኣጋጣሚታትን ዝጽበያ ኣይኮናን።

እዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ነዊሕ መስዋእቲ ንዝወሰደ ሕልሙ ዝሰርቕ ዘቤታዊ መግዛእቲ ወዲቚ ዝርከበሉ ዘሎ ኮይኑ፣ እዚ መግዛእቲ እዚ ከም ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንኤርትራውያን ደቅንስትዮ እውን ክብድል ይርከብ።

ደቅንስትዮና ዝተቓለሳሉ መሰል ምስ’ታ ዝተቓለሳላ ሃገር ብሓባር ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ተቐዪዱ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለዝኾነ – ኣብ ደረት-ኣልቦ ባርነታዊ ኣገልግሎት ዕድሜአን ዝሽረፍ ፡ ሕሰም ንቀይዲ ዘይተጸዓድነተን ፈቲኑ ናብ ሕስረት ዝቃረባ፡ ሃገር ጽቡቕ የላን ንተዓረ ስለዝበላ ኣብ ሞቚሕ ዝበልያ ፡ ከምኡ’ውን ክፋእ ምርኣይ ነዊሕወን ዕትብተን ንዝቐበራላን ሕልመን ንዘንበራላን ሃገረን ገዲፈን ናብ ስደት ዘምረሓ ናይ ዘለዋ ኣሕዋትና ቊጽሪ ውሑድ ኣይኮነን።

መሰለን ብተግባር ክብረት ሃገረን ድማ ብሓባር ዘመስከራ ኤርትራውያን ደቅንስትዮ ኣምበኣር ኣብ’ዚ ዕለት እዚ ሕሉፍ ጂግንነተን ምስ እዋንዊ ኩነታተን ኣላፊነን ክምረሓሉ ዘኽእለን ለዋጢ ተበግሶ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋተን ብሓደ ከስምራ ይግባእ።

ኤርትራውያን ደቅንስትዮ ነቲ ምስአን ብማዕረ ዝብደል ዘሎ ህዝበን ደጊም ተስፋን ጸዓትን ኮይነን ሓይሉ ከትብዓን ናህሩ ከራብሓን እዋናዊ ሃገራዊ መድረኽ ይጠልበን ኣሎ። እቲ ምንታይ ፡ቃልሲታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝዓበዩ ክሳዕ ዝነኣሱ ብህላዌን ኣማእዛኒ ተራን ደቅንስትዮ መቂሮምን ማሚቖምን ምስቀጸሉን ምስተዓወቱን እዩም።

ኤርትራዊ ቃልሲ ንለዉጢ ኣብ’ዚ ውዳቤኡ ኣሐዲሱ፡ ጸኒሕ ድኻማቱ ብምብህሃልን ምንጽጻህን ኣሊዩ፡ ሓባራዊ ጸላኢኡ ኣነጺሩ ምልኪ ንምእላይን ድሕሪ ምልኪ ንዘሎ ሃገራዊ ድላይ ንምውሓስን ዘኽእሎ ሓራዊ መረዳእታ ወኒኑ ክምርሽ በቒዑሉ ዘሎ እዋን እምበኣር፡ እቲ ኣቐዲሙ ንናይ ቃልሲ ሓይሊ ኮሊዑ ዘይሕሰብ ንዝመስል ኣቃትላ ግዳማዊ መግዛእቲ ክዉን ዝገበረ ፈረቓ ሓይሊ ኤርትራዊት ብህዝብን ሃገርን ዳግም ይድለን ይጽዋዕን ኣሎ።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከባ ኹለን ኤርትራውያን ነዚ ህዝብን ሃገርን ጸሚእዎ ዘሎ ለዉጢ ክውን ንምግባር ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዘይኣገመን ሕጂ’ውን ክእግመን ስለዘይከዉን፡ ደውታአን ምስ’ዚ እዋናዊ ቃልሲ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣገዳሲ እዩ።