ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣዉጺዎ ዘሎ ሓድሽ ተሪር ሕጊ ስደተኛታት ንኣህጉራዊ መትከላት ብግህዶ ዝጥሕስ ምዃኑ ወቒሱ።
እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣዉጺዎ ዘሎ ሕጂ ንታሪኻዊ ዉዕላት መሰል ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሱሩ ዝብንቊስ ምዃኑ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፣ ቊጽሪ ናይቶም ብሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ስደተኛታት ዓመታዊ ክንጸርን ኽግምገምን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ናይ ዑቕባ መሰል ኪኽልኡ፡ ሻቡ ተጠሪዞም ድማ ደጊም ናብታ ሃገር ብዝኾነ ሕጋዊ ይዂን ዘይሕጋዊ መስርሕ ካብ ምእታዉ ክእገዱ፣ ዜግነት ናይ ምሕታት መሰል ናብታ ሃገር ብዘይሕጊ ኣትዮም ንዝተሰጒ ሰባት ኽልኩል ኪኸዉን፣ ጸጥታዊን ጥዕናዊን ምኽንያታቶም ርጉጽ ንዝኾኑ ስደተኛታት መስርሕ ምምላሶም ንሓጺር ግዜ ኪደናጔ፣ መስርሕ ዑቕባ ናይ ዝኾነ ሓድሽ ስደተኛ ካብታ ሃገር ናብ ሳልሰይቲ ወይ ዉሑስቲ ሃገር ምስ ተጠረዘ ጥራይ ኣብ ራሕቂ ኮይኑ ክርአን ካልን ዝብሉ ኣዝዮም ተረርቲ ስጒምቲታት ዝሓቖፈ እዩ።
ዘየቋረጸ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝርከብ መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝተረረ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፣ ድሮ ብሓያሎ ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ተቛዉሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ደጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናብታ ሃገር ዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝሕልን ዉዕል ምሉእ ሕጋዉነት ንምልባስ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ። ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር እቲ መደብ ንመትከላት ውዕል ቬና ዘይጻረርን ንምትግባሩ ከሰክፍ ዘይብሉን ምዃኑ ኣቐዲሙ እኳ እንተጽደቆ፣ እቲ ዉሳኔ ብሓያሎ ፍርዳዉያን ኣካላት እታ ሃገር ተወሳኺ ተቛዉሞ ስለዝገጠሞ ገና ኣብ መስርሕ ምህላዉ እዩ ዝንገር።