ብዓወት ዝተዛዘመ ዑደት ኣባላት ኤሪሳት ሰሜን ኣመሪካ ፡ ተለቪዥን ኤሪሳት ክሳብ ክንደይ ህዝባዊ ተኣማንነትን ተቐባልነትን ወኒና ትቕጽል ምህላዋ ዘመስከረ ምንባሩ ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ሄኖክ ተኽለ ሓቢሩ።

ኣቶ ሄኖክ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዑደት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ፣ ኣብተን ዝተበጽሓ ከተማታት ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ልዕሊ ትጽቢት ምንባሩ ጠቒሱ፣ እዚ ድማ ኤሪሳት ህዝባዊ ዋንነታ ከይበለለት ትቕጽል ምህላዋ ዘመላኽት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ሸውዓተ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ጥራይ በጺሕና ኣብ ዘቃናዕዮም ህዝባዊ ርክባት ልዕሊ 116 ሽሕ ዶላር ኪዋጽእ ምርኣይና ኣሰንቢዱና እዩ ዝበለ ኣቶ ሄኖክ፣ ህዝቢ ህላዌ ቅኑዕ ጉዕዞን ተለቪዥን ኤሪሳት ኣዝዩ ከምዝገድሶ ከነረጋግጽን፣ ንዝዓበየ ስራሕ ክንሕልን ከምዘለና ኽንግንዘብ ክኢልና ኢሉ። ብዘይካዚ ሓየለ ሰባት ወርሓዊ ደገፍ ኪገብሩ ተመባጺዖምን ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ካብ 18 ለካቲት ክሳብ 5 መጋቢት ኣብ ከተማ ዳላስ፡ ደንቨር፣ ላስቬጋስ፡ ኦክላንድ ፡ ሲያትል፣ ኣትላንታን ዋሺንግተን ዝተኻየደ ዑደት ኤሪሳት ፣ ማእከላይ ዕላማኡ ምስ ህዝቢ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዕማማት ኤሪሳት ንምዝታይን ፣ ንዘለዉ ብልጫታት ዓቂብካ ተወሳኺ ዉጽኢት ከምጹኡ ይኽሉ እዮም ንዝበሃለሎም ሜላታት ድማ ካብ ህዝቢ ሓሳብ ንምካብ ጎድኑ ጎድኑ እዉን ፋይናንሳዊ ውሕስነት ኤሪሳት ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ።

ኤሪሳት ምስ ኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ኣባላትን ካብ ካዝና ናብ ክራይ ዘይሓልፍ ገንዘባዊ ትሕዞን ኣድማዕን ተወዳዳርን ስራሕ ተቃንዕ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እታ ተለቭዢን ካብ’ዚ ጸበባ ወጽያ ኪትሃርሞ እትደሊ ህዝባዊ ዕላማ ክዉን ንምግባር ቀጻሊ ደገፍ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ ዩ።