ምክትል መራሒ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሓመቲ) ፡ ምምስራት ስቪላዊ ምንግስቲ ንዘተዓናቅፉ ወገናት ተሪር ተቃዉሞ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ዓብደል ፋታሕ ኣልበርሃንን ገለ ወገን ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ምምስራት ስቪላዊ ምንግስቲ ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር።

ኢማራት ዓረብ ነዚ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወሰደትን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ናብ ካርቱም ምብጻሕ ከምዘካየደን እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓመቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካርቱም ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማዓስከር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምስግጋር ስቪላዊ ምንግስቲ ዕንቅፋት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ፡ “ኣብ መንጎ እቶም ስልጣን ዝሕዙን እቶም ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ዝደልዩን ጸገም ኣሎ” ድሕሪ ምባል ፣ ድሌቱ ስልጣን ናብ ሓደ ምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ምስግጋጋር ጥራይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብተወሳኺ ነቶም ብእኡ ዝእዘዙ ሰራዊት ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ዘለዉ ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከይህልዎም ተላብዩ። እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ፣ ድሕሪ ምዕላዉ ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሓድሽ ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተወስደ ካልኣይ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፍጹም ጌጋ ምንባሩ ብተደጋጋሚ ክእመን ጸኒሑ እዩ ። ንሱ ወሲኹ፣ ኣብ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብብረታዊ ግብረመልሲ ኣባላት ጸጥታ ናይ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት መንእሰያት ተሓተቲ ንሕና ባዕልና ኢና ክብል እዉን ተኣሚኑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሰጋገርን ወተሃደራዊ ወገን ሱዳን ነቲ ስግግር ኣብ ምቅልጣፍን ናብ ፖለቲካ ኢዱ ኽስሕን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ስግግር ኣብ ምዕዋት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ወገን ምድንጓይ ይፈጥር ከይህሉ እዮም ናይ ቀረባ ተዕዘብቲ ስክፍታኦም ዝገልጹ።