ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዘለዎ ዝምድና ብዝሓየለን ዝተመስጠረን መልክዑ ይቕጽሎ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ካብ ገለ ላዕለዎት ኣባላት ቤትጽሕፈት ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ንዝረኸብዎ ሓበሬታ መርኩስ ብምግባር ኣብ ዝሰደዱልና መልእኽቲ፣ ህግደፍ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝደልደለ ዝምድና ኣረጋጊጽካ ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ህወሓት እንዳተደናገጸ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክድልቦ ዝደሊ ዘሎ ጽልዋ ንምዕንቃጽ ተኺሉ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ።
ክልል ኣምሓራ ድልዱል ወተሃደራዊ ቊመና ከምትዉንን እንተጌርካ ፡ ግዝኣታዊ ሕቶ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ወልቃይት-ጸገዴን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ ጠንቂ ቀጻሊ ግርጭታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ኪኸዉን ከምዝኽእል ልዑል እምነት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ’ቶም ኣሰሓሓብቲ ከባቢታት ዘለዎም ቊጽጽር ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዝመጽኡ ጸቕጥታት ዝብድህ ንምግባሩ ይጽዕት ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከረጋግጾ ዝጓየየሉ ዘሎ ዕብለላ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከም ስግኣት ጥራይ ዘይኮነ ከም ጽቡቕ ምኽንያት እዉን ይዉሰድ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
እዚ ድማ ፡ እቲ መራሒ ጉጅለ – ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ንዘሎ ምስሕሓብ መሬት ኣብ ሓጺር እዋን ዘይፍታሕ ሽግር ጌርካ ነቲ ሽግር ብምምሕዳርን ኣብ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ኢትዮጵያ መሪሕ ተዋሳኢ ኪኸዉን ዘኽእሎ ኩነታት ብምፍጣርን፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብቲ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህዉ ከምዘይወጽእ ንምግባርዩ ።
ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሖም ትሑት ምትእምማን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝርዳእ መራሒ ህግደፍ፣ እቶም ሓይልታት ምሉእ ተስፋኦም ኣብ ህግደፍ ኪወድቕን፡ ብመንገዶም ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምጽላዉን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዝጠቅስ ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ተጻብኦ ኪብገስ ከምዝኽል ዘፍእሙ ሓበሬታታት ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ከዉጽእ ምቕናዩ ተሓቢሩ እዩ። እተን ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና፡ ነቲ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከመስክሮ ዝሕልን ዘሎ ርኡይ ዕብለላ ኣመኽኒየን፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ኣብ ራሕቂ ኮይኑ ይደጋገፍ ኣሎ ዝብል ክሲታት እንዳንቀላ እየን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ስግኣት ዝጉስጉሳ ዘለዋ።
ህግደፍ ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ህወሓትን መንግስቲን ፈደራልን ፣ ንህዝቢ ኤርትራ በየናይ መመኽነይታ ኣብ ራዕዲን ቀጻሊ ቊጽጽርን የንብሮ ኪሓስብ ከምዘይደቀሰ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እዚ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መርበባት ዜናኡ ዘአንፍቶም ዘሎ ምዕባሌታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝሰፍሐ መልክዑ ኽጉስጎሰሉ ምዃኑ ምንጭታትና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሮም እዮም።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኲናት ትግራይ ብጸቕጢ ኣመሪካን መሓዙታን ተኾሊፉና ኢና ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፣ መራሕቲ ህወሓት ገና ኣብ ስልጣን ኪቕጽሉ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ስልቲ ኽጥቀሙ ምርኣዩ ከም ስቡሕ ዕድል ክወስዶ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣረጋጊጽዎ ዝጸንሐ ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን ጽልዋ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ዝኸሰረ ህግደፍ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ፈጽሚ ከይርከቦ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን ከም ደ.ም.ህ.ት ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ብምስጢር ምድግጋፍ ከምዘየቋረጸ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።