ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብወግዒ ካብ ዘይእከብ ድሮ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣቚጺሩ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ብመደብ ኪፈራኸሽን ካብ ስሩዕ ኣኼባታት ክእገድን ተገይሩ ዘሎ ካቢነ ናይ መወዳእታ ዘቃንዖ ምዱብ ኣኼባ ኣብ ምዝዛም ዓመተ 2018 እዩ።
ሚኒስትሪታትን ኣብ ትሕቲአን ዝመሓደራ ትካላት መንግስቲን ሃገርና ዝርካቡ ባጀት ከይተሰለዓለን ብግዲ ክነጥፋ ምርኣይ ልሙድ ኾይኑ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።
ኣብ ዓዲ-ሃሎ ሰሪቱ ዘሎ ሓድሽን ጸቢብን ምሕደራዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንስራሕን ሓላፍነትን ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስቲን ኣዳኺሙ፡ ብዉሳኔን ድሌትን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ንኪኽየድ ዕላማ ገይሩ ይሰርሕ ምህላዉ ኪንገር ጸኒሑ እዩ።
ኩለን ሚኒስትሪታት ካብ’ቲ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር ትእዛዛትን መምርሒታትን ስራሕ ኪቕበላን ፡ተሓታትነተን ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ከመስክራን ኣብ ሃልኪ ከምዝርከባ ዝሕብሩ ምንጭታት፡ ጠለባትን ኣብ ባይታ ዝድለዩ መደባትን እተን ሚኒስትሪታት ናብ’ቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ዘምርሑሉ ብዘይ መልሲ ነዊሕ ግዜ ከምዝብላዕ ይሕብሩ።
ሚኒስተራት ፡ ጠለባቶምን ጸብጻባቶምን ናብ’ቲ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ኣርሒቚ ዘሎ ምምሕዳር መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከቕርቡ ብተደጋጋሚ ኪመላለሱን ኪደኽሙን ምርኣይ እዉን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።
መራሕ ጉጅለ ህግደፍ ነተን ብዝርካቡ ዓቕሚ ሰብን ንኡስ ባጀትን ሃገር ከሳልያ ዝርከባ ሚኒስትሪታት ንምድቓቐን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ንምሕደራኡ ኪጸባጸባ ይኽእላ እየን ኢሉ ዝሓስበን ሚኒስትሪታት ከላፍንን ፍጹም ከጥፍአንን ይርከብ። ናይ’ዚ ኣብነት ሚኒስትሪታት ሃገራዊ ልምዓትን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ካብ ምጅማር 2021 ኣብ ትሕቲ ሓደ ሚኒስተር ተጠርኒፈን ይርከባ።