ኣብ ኲናት ዓዲጓና ናይ ዝወደቚ ደቀን መርድእ ብዘይወግዒ ክፈልጣ ዝኸኣላ ስድራቤታት ኤርትራ ፣ ንቡር ሓዘን ከይገብራ ጓሂአን ኣብ ዉሽጠን ክሓብኣ ይግደዳ ምህላወን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።

ዕረፍቲ ደቅኽን መን ነጊሩክምን ብኸመይ ፈሊጥኩምን እንዳተባህሉ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ናይ ዝንገላትዑ ወለዲ ቊጽሪ ይዛይድ ብምህላዉ ፣ ሓያለ ስድራቤታት ሓዘነን ንግዳም ከየውጽኣ ይሕመሳን ፣ ጎረባብቲ ብከዉሊ ጥራይ ኪበጽሑወን ይረአን ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኣበየ-ህላዌን ኩነታትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ናይ ዘለዉ ደቊ ብዝምልከት ዛጊት እኹል ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኲናት ናይ ዝወደቚ ወገናትና መርድእ እዉን ብዘይወግዒ ይንገር ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ’ቲ ኲናት ዝወፈሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራኦም ይኹን ቤተሰቦም ተሌፎን ይዂን ደብዳቤ ከይልእኹ ደቂቕ ምክትታል ይግበር ምህላዉ ዝሕብሩ ምንጭታትና፣ ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ኪበጽሑን ብስራሕ ናብ ከተማታት ክንቀሳቐሱን ዕድል ካብ ዝረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ብዝርከብ ሓበሬታታት ጥራይ እዩ እቲ ናይ ገለ ወገናትና ዕረፍቲ ዝፍለጥ ዘሎ።