ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ናብ ኣዲስኣበባ ክበጽሕ መዲቡ ዘሎ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዝርርብ ን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሓለፋ ግንዛቤ ኪገብረሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣመሪካ ጸዊዑ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዚ ጻዉዒት ዝገብር ዘሎ ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ን15 መጋቢት ናብ ኣዲስኣበባ ኪበጽሕ ምዃኑ ምስተፈልጠ እዩ። እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተራኺቡ ብምዕባሌታት ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ከምዝዝቲ ፣ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ስረሓት ዝነጥፉ መሻርኽቲን በርጌሳዉያን ማሕበራት እታ ሃገርን ተራኺቡ እዉን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ከመይ ይኸይድን፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣበየናይ ደረጃ ይርከብን ከምዘሎ ክዝቲ እዩ።
ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣመሪካ ዳይረክተር ክፍሊ ጎስጋስ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኬት ሃይሶን፣ ምብጻሕ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ፣ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም በዳሂ መድረኻት ኣብ ዝሓልፈሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ቐጻልነት ስራሕ መርማሪ ገበናት ኲናት ትግራይ ንምዕንቃጽ ኣብ ዝጓየየሉን ዘሎ እዋን የጋጥም ከምዘሎ ጠቒሳ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብ ውሑስ መድረኽ ከብል ተራ ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ብኹሎም ተራጸምቲ ወገናት ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ወገናት ክምርምራ ንዝነቕላ ኣካላት ሰብኣዉነት ስራሐን ብዘይጸገም ከቃንዓ ውሑስ ባይታ ኸፍቅድ መንግስቲ ኣመሪካ ጸቕጥታት ኪገብር እዉን እታ ዳይረክተር ጸዊዓ ኣላ። እዚ ምስ ዘይከዉን ፣ ንኣመሪካ ኣንጻር ዝኾነ በደል ድው ዘይትብል ሃገር ኣምሲሉ ንበደልቲ ዘተባብዕ ከምዝኸዉን እያ ኣገንዚባ።
ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ተጻርዩ ተሓተትቱ ናብ ፍርዲ ኪቐርቡ ዝብል ሓደ ካብ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ምዃኑ ዘዘኻኸረት እታ ዳይረክተር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንትግባረ እዚ ነጥቢ እዚ ዓጊቱ ምህላዉ ኣይሓብአትን ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስራሕ መርማሪ ጉጅለ ገበናት ኲናት ትግራይ ንምቚጻይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኪነጽጎ ከም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝኣመሰላ ዝርከብአን ልዕሊ 60 ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለፈ 28 ለካቲት ሓባራዊ ጻዉዒት ምቕራበን ኣይርሳዕን።
እተን ትካላት ናብ’ቲ ባይቶ ኣብ ዝሰደድኦ ደብዳቤ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሰማዒ እንተረኺቡ ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግህሰታትን ንምቊጺጻር ዝዕልሙ ኣህጉራዉያን ተበግሶታት ብመንግስታት ኪጎናድብ ከምዝኽእል ዘመላኽት ሕማቕ ኣብነት ከምዝኸዉን እየን ኣጠንቂቐን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ገደብ ስራሑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝርከብ መርማሪ ጉጅለ ገበናት ኲናት ትግራይ ዕምሩ ንምሕጻር ይጽዕር ምህላዉ ክሕበር ቀንዩ እዩ። እቲ መርማሪ ጉጅለ ዕምሩ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምሕጻር፣ ርኽበታቱ ከየሕትምን ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከየቕርብን ድማ ንምዕንቃጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምእካብ እዩ ዝርከብ ዘሎ።
እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንገበናት ኲናት ትግራይ ክምርምር ዝቘመ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ስራሑ ኪቕጽል ብጸቢብ ጸብለልታ ድምጺ ኣባላት ሃገራት ምዉሳኑ ኣይርሳዕን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ፈለማ ይቛወምን እቲ ጉጅለ እኹል ገንዘባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ከይረክብ ክዕንቅጽ ፈቲኑን ምንባሩ እንተኾነ ከምዘይሰለጦ ይዝከር።
ብዘይካዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስራሕን ርኽበታትን እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ ንዝሰላሰል ዘሎ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከዉድቘ ከምዝኽእል እዩ ብቐጻሊ ዘጠንቅቕ ዘሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጥፈታት እቲ መርማሪ ጉጅለ ንትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቘ ከምዝኽል ኣተሓሳሲቡ ኔሩ ።