መንግስቲ ሱዳን ከም ኣካል ትሕዞ ዶላር ኣመሪካ ንምዉሓስ፡ ሕጋዊ ነባርነት ወጻእተኛታት ንምክትታል፡ ከምኡ’ዉን ኣካይዳታት ኣብ ሃገሩ ናይ ዝነጥፉ ኣዉፈርቲ ንምቊጺጻር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፣ ኣብ ምሕደራ ቪዛ ቀጻሊ ምቅይያራት ይገብር ምህላዉ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር ብቪዛ ዝነብሩን ዝንቀሳቐሱን ወጻእተኛታት ፡ ኣብታ ቪዛ ዘውጽኡላ ከተማ ወይ ዞባ ጥራይ ክንቀሳቐሱን ናብ ካልኦት ከተማታትን ዞባታትን ኪገሹ ከምዘይፍቀደሎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ሕጋዊ ነባርነት ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ንምርግጋጽ ወርሓዊ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ተፍትሽን ምክትታልን ኽገብሩ ከምዝኾኑ፣ እቲ ዝግበር ተፍትሽ ኣብ መንበሪ ገዛን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብምእታዉ ዘይኮነ ኣብ ጎደናታት ጥራይ ዝቃናዕ ምዃኑ ምንጭታትና ይሕብሩ።
ኣብ ተኣፋፊ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ኩነታት እትርከብ ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ ብወጻእተኛታት ተዓብሊሉ ዝበሃል ቊጠባኣ ንምክትታል ዝተፈላለዩ ጸጥታዊን ፊናንሳዊን መምርሒታት ተውጽእ ከምዘላ እዩ ዝንገር። እቶም መምርሒታት ነቶም ኣብታ ሃገር ርኡይ ጽልዋ ኣመስኪሮም ዘለዉ ኤርትራዉያን ሓለፋ ይሃስዩ ከምዘለዉ እዉን ይንገር።
ስለዝኾነ ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብመንግስቲ ንዝወጽኡ መምርሒታት ብቐረባ ኺከታተሉን ካብ ዘይተደልየ ጸገም ከርሕቚን ይግባእ።
ኣብ መፍርቕ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፡ ማእከላይ ባንክ ደቡብ-ሱዳን ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበሩ ንግዳዊ ይዂን ወፍራዊ ወጻኢታት ብዶላር ዘይኮነ ብሃገራዊ ባጤራ ጥራይ ኪካየድ ተሪር መምርሒ ብምትሕልላፉ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ምህላዎም ይፍለጥ።
እቲ ብማእከላይ ባንክ ወጽዩ ዘሎ መምርሒ፣ ዝኾነ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ዝግበር ቊጠባዊ ምልዉዋጥ ብሃገራዊ ባጤራ እንተዘይኮይኑ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ኪቃናዕ ከምዘይብሉ እዩ ዝእዝዝ።
ዝበኣሰ ቊጠባዊ ዝቕባበ ኣሰኒፍዋ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጣሪዓ ምህላዋ ኣብ ዝንገረላ ደቡብ ሱዳን፣ ዝበዝሐ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዶላር ኣመሪካ ኪካየድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ሓያሎ ኤርትራዉያን ነጋዶ ዶላር ኣመሪካ እናተጠቕሙ ካብቲ ናይ ሸመተ ሓይሉ ኣብ ዝተሓተ ባይታ ወዲቚ ዝርከብ ባጤራ ደቡብ ሱዳን ከስዕበሎም ዝኽእል ሃስያ ነብሶም ከድሕኑ ምጽንሖም ይንገር።
ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ቀሊል ንዘይኮነ ክፋል ሃገራዊ ቊጠባ ደቡብ ሱዳን ከምዝጸልዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሃንደበት ብዝኽሰቱ ጸጥታዊ ስግኣታትን ብዝተእኣታተዉ ቊጠባዊ ፖሊሲታትን ብቐጥታ ክጽለዉ ከምዝረኣዩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።
ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኩሉ ናይ ንግዲን ወፍርን ዕድላት ምስ ሰኣኑ ናብ ሃገራት ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃን ከውፍሩ ይግደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ህግደፍ ንመሰልን ድሕነትን እቶም ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ዝኾነ ተበግሶ ክወስዳ ስለዘይረኣያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሑ ቊጠባዊን ኣካላዊን በደላት ብዘይ ተመልሶ-ሕጊ ይዛይዱ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።