ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ሓመቲን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳን ዘትዮም።

ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ሓመቲ ብሰንበት 12 ለካቲት ተራኺቦም ፡ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጠረ ዘይምርድእዳእ ኣቋሪጾም ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስን ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ልኡላዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሞንግኦም ድሕሪ ዝተፈጥረ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኸደ ዘይምስምማዕ፣ ንፈለማ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እታ ሃገር ዘተ ከምዘካየዱ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ሱዳን ብምግምጋም፡ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ፣ ካብ ናይ ክፍሊ ጸጥታ ዝተዋጸኤት ንኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር እትከታተል ጉጅለ ክትቀዉም እውን ከምዝተሰማምዑ ተፈሊጡ ኣሎ ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንፖለቲካዊ መስርሕን ምቛም ሓደ ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዉን ገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኽቡ ወገናት ከምዝሓበርዎ እቲ ስምምዕ ንሙቃም መሰጋገሪ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘቀላጥፍን ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ከምዝኾነን ሓቢሮም ኣለዉ።