ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 5 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ተኣሲሮም ከምዘለዉ IOM ገሊጹ ።

ሓላፊ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት (IOM) ከም ዝገለጾ ገና ካልኦት ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ስደተኛታት ኣብ ዘይወግዓዊ መዳጎኒ ቦታታት ይሳቐዩ ከምዘለዉን እውን ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር IOM ኣንቶንዮ ቪቶሪኖ ትማሊ ረቡዕ 8 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ IOMን UNHCRን ገና ኣብተን ዘይተፈልጣ ዘይወግዓውያን መዳጎኒ ማእከላት ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ስቃይ ይኾኑ ከምዘለዉ ገሊጹ ።

ንሱ ወሲኹ፡ ህላወ ናይዘን ዘይወግዓውያን መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ቅቡል ከምዘይኮነ ክገልጽ ከሎ ኣብ ምልቃቅ ናይዞም ስደተኛታት ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኢዱ ክሕውስ ጸዊዑ ። IOM ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማለት UNHCR ብምትሕብባር ኣብ ሊብያ ኣብ ወግዓዊ መዳጎኒ ማእከላት ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ከምዘሎ እውን ገሊጹ።

ሊብያ ነቶም በብዓመቱ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ቀንዲ መናሃርያ ኮይና ዘላ ሃገር ምኻና እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ቀዛፊ ኣብ 2011 ፣ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ዝመጹ ስደተኛታት ፡ ናብ ሃገራት ኤርውጳ ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ብዙሓት ካብኣቶም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ሰነዳት UNHCR ይሕብሩ ።

ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2015 ጀሚሩ ነዚ ዋሕዚ ንምግታእ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዕሊ 450 ሚልዮን ዶላር ብመልክዕ ሓገዝ ከምዝሃበ ዝዝከር ኮይኑ። ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተሓዙ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዝግበርን ኣምስይኡ ድማ ኣብተን ብመንግስቲ ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝእስሩ ይፍለጥ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዙሓት ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣብዘን ብመንግስቲ ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ዘሎ ኩነታት ንምእማኑ ዘጸግም ድኹም ዝኾነ ምሕደራ ከምዘሎ እየን ዝገልጻ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብዘን ወግዓውያን ናይ ስደተኛታት መዳጎኒታት ርኡይ ዝኾነ ሕጽረት መሳለጥያታት ከምዘሎ እውን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም ።