ፖሊስ ኤርትራ ጸጥታዊ ምርግጋእ ከስፍን ናብ ዘይክእል ዉሱን ትካል ተቐዪሩ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ነቲ ካብ ህዝቢ ዝዛይድ ዘሎ ምዕዝምዛማት መርኲስ ብምግባር ሓቢሮም።
እቲ መጋበርያ ጉጅለ ህግደፍ ተቐዪሩ ምህላዉ ዝውቀስ ጸጥታዊ ኣካል ፡ ንድሕነት ህዝብን ዘቤታዊ ርግኣትን ምስራሕ ከብ ዝገድፎ ነዊሕ ዓመታት ኣቚጺሩ ከምዘሎ ዘመልከቱ ምንጭታትና፥ ቀዳማይ ዕላማኡ ንቐጻልነት እቲ ጉጅለ ኣብ ዘህጥሩ መዳያት ጥራይ ተሓጺሩ ምህላው ኣተሓሳሲቦም።
ላዕለዎትን ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ንባዕሎም ኣብ ከቢድ ብልሽውና ተሸሚሞም ብምህላዎም ፡ኣብ ልዕሌኻ ገበን ተፈጺሙ ናብ መደበር ፖሊስ ኬድካ ፍታሕ ክትረክ ዘሎ ዕድል እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ምህላዉ`ዮ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ሰፊኑ ብዘሎ ከቢድ ማሕበራዊ ሕሰም ፡ ስርቅን መቕተልቲ ዝተሓወሶ ዝርፋን እናሳዕረረ ይኸይድ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ስርዓት ህግደፍ ነዚ ከምዘይ ቅጺ-ሓላፍነቶምን ተልእኾኦምን ወሲዶም ንምግታኡ ዘካይድዎ ዕቱብ ስራሕ ከምዘየለ`ዩ ዝንገር።
ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ብሕሰም ተዳፊኡ ኣብ ነነሕድሕዱ ክባላዕ`ሞ ዓበይቲ ሃገራዊ ሕቶታትን ዛዕባታትን ከየልዕል ብምባል ፡ ገበናትን ዓመጻትን ቅልጡፍ ፍታሕ ንኸይርከቦም ልዕሊ ካልእ እዋን ይጽዕት ምህላዉ ይፍለጥ።