መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብተን ዝምድናታቱ ዘሐድሰለን ዘሎ ሃገራት እዚ ዞባ ፡ ስለያዊ መርበባቱ ከደላድል ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ኣብ ሶማልን ኬንያን ዓቐብ ኮይንዎ ዝጸንሐ ህላወን ጽልዋን ፡ ነቲ ምስተን ሃገራት ዚጓየየሉ ዘሎ ምሕዳስ ዝምድና ከም ሽፋን ተጠቒሙ ናይ ስለያ መርበባቱ ከዋፍር ባይታ ይረክብ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ሰራዊት ሶማል ኣብ ምስልጣን ብመሪሕነት ዝዋሳእ ዘሎ ህግደፍ፣ ምስቶም ተዓሊሞም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሶማላዉያን ከም መምሃራንን ታሕተዎት ኣዘዝቲን ተጸንቢሮም ዝለኣኹ ኣባላት ስለያኡ ምህላዎም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ህግደፍ ምስ መንግስታት እዚ ዞባ ከሐድሶ ዝህወኸሉ ዘሎ ዝምድና ንሓባራዊ ዕብየት ዝዓለመ ዘይኮነ ፣ ህላዌን ጽልዋን ኣመስኪርካ ነዚ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ሃወኽ ከምዝሰምር ብምግባር ከም ተደላዪን ሸምጋሊን ንምዃን ዝተሃንደሰ እዩ ይብሉ።
መራሒ ጉጅለ ሓድሽ ቅዲ ዞባዊ ዲፕሎማሲ ኣዉፊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ቅዲ እዚ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣናዮ ኩሉዓይነታዊ ዕንወት ኣብ ካልኦት ሃገራት እዚ ዞባ እዉን ንምድጋሙ ዝሓለነ ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘተሓሳስቡ። ህግደፍ ነዚ ልሙድ ስልቱ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ፈቲንዎ ዘይነዓቕ ዉጽኢት ክረኽበሉ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ኪንዮ’ቲ ነዚ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ኣንቢርካ ስልጣንካ ምንዋሕ ዝብል ፖሊሲ ፡ ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ዝዕንትር ዘሎ ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ፡ መሳርዑ ኣደልዲሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይቃረብ ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰግእ ብምህላዉ እዉን ኣብ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ዘዋፍሮም ሰለይቲ ቊጽሪ የዛይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ዝሓልፈ ወርሒ ሓቢሮም ኔሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ ፡ርዋንዳን ኣንጎላን ዝነጥፉ ምንጭታት ኤሪሳት ኣብ ዘመሓላለፉልና ሓበሬታ፡ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዉያን መንእሰያት ንጉጅለ ህግደፍ ቀጻሊ ስግኣት ክፈጥረሉ ምጽናሑ ጠቒሶም፡ ኩሉዓይነታዊ ምምቅስቓሳት እቶም መንእሰያት ንምቊጽጻርን ንምጽላዉን፡ ዝሓየላ ኢምባሲታት እቲ ጉጅለ ኣብተን ሃገራት ኪህልዋ ከምዝገበረ ብምዝኽኻር፡ በዚ ገና ዘይተኣማመነ ህግደፍ ናብተን ሃገራት ዘዋፍሮም ኣባላት ስለያ ብቚጽሪ ኪዉስኽ ይጓየ ከምዘሎ የረድኡ።
ብፍላይ ኣብተን ኤርትራዉያን ብስራሕን ወፍሪን ተወዳደርቲ ኮይኖሙለን ዘለዉ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ኣንጎላን ናይ ዝዉሰኹ ዘለዉ ኣባላት ስለያ ህግደፍ ቊጽሪ ልዑል ከምዝኾነ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘብርህ። ህግደፍ ፣ እቲ ኣብ ስደት ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ናብ’ዚ ዞባ ልሒሙ መሳርዑ ከደልድል እንተኽኢሉ ፣ ዝኸበደ ብድሆ ከምዝኾኖ እዩ ዝኣምን።