ንሃገራዊ ቅዋም ብምቕባር፡ ንሓጋጊን ፈራዲን ኣካላት መንግስቲ ቆሊፉ ንሃገርን ህዝቢን ብናይ ባዕሉ ሕጊታት ዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን “ሕጊ ንሰብኣዊ ክብረትን ልምዓትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13 ክሳብ 18 መጋቢት ዝቕጽል ቅነ ሕጊ ሰሪዑ ይዋሳእ ኣሎ።
እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝኸይድ ዘሎ ተዋስኦ ፡ ብመሰረቱ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሕጊን ሰብኣዉነትን ዘለዎ ንዕቀት ዘረጋግጽ ምዃኑ እዮም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝሕብሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ‘ሕጊን ህንጸት ሃገርን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 6 ክሳብ 11 ታሕሳስ ናይ 2021 ብመንገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ተመሳሳሊ መደብ ኣቃኒዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን ።
መሰረታዊ ዕላማ እዞም ቅነታት ፡ እቶም ብባዕላዊ ዊንታታት ህግደፍ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 32 ዓመታት ነጻነት ዝተስገደዱ ኣዋጃት ከም መውከሲ ሃገራዊ ሕጊ ንምስማሮም ከምዝኾነ ዝሕብሩ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ፡ እዚ ድማ ፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ-ሕጊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ብቓልዕ ኸካይዶ ዝጸንሐ ወራር ወግዓዉነት ንምልባስ ዝሓለነ ምዃኑ እዮም ዘተሓሳስቡ።
ህዝቢ ኤርትራ ፡ ብድምጹን ብወከልቱን ንትግባረ ዘቃረቦ ቁዋሙ ተመንዚዑ፡ ብትእዛዛትን ኣዋጃትን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ምስቶም ዘሳቕይዎ ዘለዉ ኣዋጃት ንኽላለን ንኽዋሰብን ሰሚናራት ቅነታትን ምዉዳብ ለሚዱ ይርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ዚ “ቅነ ፍትሒ” ኢሉ ዘካይዶም ዘሎ ህዝባዊ ሰሚናራት፡ ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 32 ናይ ናጽነት ዓመታት በይኑ ንዘጽደቖም ልዕሊ 300 ኣዋጃት ንህዝቢ ከላሊን ከረድእን ይጓየ ኣሎ።
‘ቅነ ፍትሒ’ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ንኹሎም ኣዋጃት እቲ ጉጅለ ከም ሃገራዉያን ሕግታት ኽርዕሞምን ኪዉከሶምን ንምግዳድ ዝዓለመ ከምዝኾነ ደጊሞም ዘብርሁ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ እዚ ግን ካብ ግዝያዊ ሃልኪ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ፣ ጉጅለኣዊ ሕግታት ምስ ምዉዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ዝበኑ ከምዝኾኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሃገራዊ ቅዋሙን ነቲ ቅዋም ዝሕልዉ ኣካላት መንግስቱን ንምምላስ ብዉሽጢን ግዳምን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከበራትዕ ተላብዮም።
እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ፡ ህዝቢ ነዚ ንሃገራዊ ቁዋም ኤርትራ ብናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣዋጃት ንምትካኡ ተሰሪዑ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ጎስጓስ ክነቕሓሉ ኣዘኻኺሮም።