ትማሊ ሶሉስ ነፈርቲ ኩናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ባሕሪ ትዝንቢ ዝነበረት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ወቂዐን ከም ዘውደቃ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ሓቢሩ ።
እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ማያት ጸሊም ባሕሪ እናበረረት እንከላ ብክልተ ሱ-27 ዝዓይነተን ነፈርቲ ሩስያን ተወቂዓን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ከምዝወደቀት ምንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ዘሎ።
ኣፈኛ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብሪጅ. ጀነራል ፓትሪክ ራይደር ኣብ ፔንታጎን ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እተን ነፋሪቲ ሩስያ ብኣቆጻጽራ ማእከላይ ኤውሮጳ ድሕሪ ሰዓት 7 ቅድሚ ቀትሪ ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ድሕሪ ምውቀዐን ንኣስታት 30 ደቃይቅ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝዘንበያ ሓቢሩ ኣሎ ።
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ጀነራል ጀምስ ቢ ሄከር ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ እውን ብነፈርቲ ኩናት ሩስያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሸለል ዘይበሃሎን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከምዝኽእልን ገሊጹ ኣሎ ።
እዚ ፍጻመ፡ ሩስያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ነፈርቲ ኩናት ሩስያን ኣመሪካን ንመጀምርያ እዋን ቀጥታዊ ርክብ ዝገበራሉ ምኻኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ ። በዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ክውስኽ ዝላዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ገለ ወገናት ስክፍታታቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ኣመሪካ ብወገና ንኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣመሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጸዊዓ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክህብ ከምዝሓተት እውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣመሪካ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ባሕሪ ብሪፐር ዝዓይነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስለላታት ከተካይድ ምጽነሓ ይንገር።