ህግደፍ ንመገሻ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያን፡ እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣርዒምዎም ኪኸይድ ይኽእል’ዩ ንዝበሃሉ ጸቕጥታትን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ወሲዱ ፣ ነቲ ካብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ይቀላቐል ኣሎ ዝብሎ ስግኣት ከራጒድ ኪፍትን ምዃኑ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።
ህግደፍ ድሮ ብመንገዲ ዘይወግዓዊ መሓዉራት ዜናኡ፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመሪካ ከምዝወገነን ንኣመሪካ ከምተንበርከኸን ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ክነዝሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ድማ ህግደፍ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ኪዉዳእ ዘይደልዮ ምትፍናን ሓድሽ ገጽ ሒዙ ንኽቕጽል ከመኽንየሉ ምዃኑ የረድኡ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ተጻብኦ ኪብገስ ከምዝኽል ዘፍእሙ ሓበሬታታት ብመንገዲ እተን መሓዉራት ዜና ኪጉስጉስ ካብ ዝጅምር ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ እተን እንታይ ክብላን ክጽሕፋን ከምዘለወን ምስተነግረን ዘጋውሓ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና፡ ነቲ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከመስክሮ ዝሕልን ዘሎ ርኡይ ዕብለላ ኣመኽኒየን፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ኣብ ራሕቂ ኮይኑ ይደጋገፍ ኣሎ ዝብል ክሲታት እንዳንቀላ ብዛዕባ ሓድሽ ስግኣት ክጉስጒሳ ተራእየን እየን።
ህግደፍ ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ህወሓትን መንግስቲን ፈደራልን ፣ ንህዝቢ ኤርትራ በየናይ መመኽነይታ ኣብ ራዕዲን ቀጻሊ ቊጽጽርን የንብሮ ኪሓስብ ከምዘይደቀሰ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እዚ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መርበባት ዜናኡ ዘአንፍቶም ዘሎ ምዕባሌታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝሰፍሐ መልክዑ ኽጉስጎሰሉ ምዃኑ እዉን ሓቢርና ኔርና።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኲናት ትግራይ ብጸቕጢ ኣመሪካን መሓዙታን ተኾሊፉና እዩ ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፣ ዝምድና ኣመሪካን መንግስቲ ቀዳምይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ናብ ንቡር ክምለስ ዘኽእሉ ምዕባሌታት ክርኢ እንከሎ ኪቐስን ከምዘይኮነን ፣ ከም ተወሳኺ ምኽኒት ኪወስዶ ሰገጥ ከምዘይብልን ይእመን።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣረጋጊጽዎ ዝጸንሐ ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን ጽልዋ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ዝኸሰረ ህግደፍ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ፈጽሚ ከይርከቦ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን፣ ምስ ከም ደ.ም.ህ.ት ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ብምስጢር ምድግጋፍ ከምዘየቋረጸ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።