ኣብ ሊብያ ተሰሪቚ ዝበሃል ዘሎ ኒክሌሳዊ ቦምብ ንምምስራሕ ዝጠቕም ንጥረነገር ዩራንዩም ፡ ኣብ ኢድ ናይ ሽበራ ሓይልታት ኣትዩ ኸይከዉን ተሰጊኡ። እዚ ዝግለጽ ዘሎ ትካል ምቊጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 10 በራሚል እቲ ንጥረነገር ተሰዊሩ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።
እቲ ኣስታት ሰለስተ ቶን ዝግመት ንጥረነገር ብመንገዲ ዕጡቓት ሓይልታት ሊብያ ናብ ናይ ሽበራ መርበባት ክሽየጥ ልዑል ተኽሎ ከምዘሎ ዝሕብሩ ወገናት ፣ ትካል ምቊጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት እቲ ንጥረነገር ብመን ከምተሰርቀን ናበይ ከምዘበለን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከረጋገጽ ይጽውዑ ኣለዉ።
እቲ ተሰሪቚ ዝበሃል ዘሎ በራሚል፡ ካብ ቊጽጽር እዋናዊ መንግስቲ ሊብያ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ካብ ዝርከብ መኽዘን ከምተሰርቀን፣ መርማሪት ጉጅለ ትካል ምቊጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ቦታ ምስ በጽሐት ድማ ምስራቚ ከምዘረጋገጸትን እዩ ዝሕበር ዘሎ።
እቲ ንጥረነገር ብሓደ ወይ ክልተ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዕጡቓት ጉጅለታት ተወሲዱ እንተኾይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተሸይጡ ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታዉያን ወገናት ኪኣቱ ከምዝኽእል ዝገልጹ ተንተንቲ ፣ እቲ ጉዳይ ግዜ ከይወሰደ መዕረፊ ኪግበረሉ እዮም ዝመኽሩ።
ድሕሪ ምእላይ መዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን፣ እታ ሃገር ናብ ዉድቀት ኣምሪሓ ፡ባህርያዊ ጸገታታ ሓይሊ በብዝዓንተረ ወገን ይብዝበዝ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ዕቚር ሃፍቲ ነዳዲ እታ ሃገር ተሓታትነት ብዘይብሉ መንገዲ ንልዕሊ 12 ዓመታት ይምጾ ከምዘሎ ይፍለጥ።