ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ካርቱም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርቲን ገንዘባዊ ምዝመዛን ዕለታዊ እንዳብኣሰን ንቡርነት ወኒኑን ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጨናፍር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ነቲ ርኡይ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ቦኺረን ብምህላወን፣ እቲ ጉዳይ እኹል ኣህጉራዊ ግንዛቤን ፍታሕን ኪረክብ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነቱ ኪዋጻእ ጸዊዖም።

ኣብ ሓያለ ከተማታት ሱዳን ፡ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ጥራይ ዘነጻጸረ ድጎና ንብዙሓት ወገናትና ግዳይ ቀጻሊ ገንዘባዊ ምዝመዛ ገይሩ ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ይዂን ከም ኣባላት ጸጥታ ዝዋስኡ ተራ ዜጋታት እታ ሃገር ፡ ንዝረኸብዎ ኤርትራዊ ስደተኛ እናቐፈዱ ናይ መልቀቒ ገንዘብ ምሕታት ከም ልምዲ ይወስድዎ ከምዘለዉ እዮም ዘረድኡ።

ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ’ዚ ፍታሕ ተነፊግዎ ዘሎ ጸገም ኣሕዋቱ ናብ መንግስታትን ኣህጉራዉያን ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓናቱ ከቕርብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምውዳብ ጻዉዒቱ ከጽዕቕ ይግባእ።

በቲ ኣብ ሱዳን ዝወርዶም ዘሎ ዘየቋርጽ ድጎናን ገንዘባዊ ምዝመዛን ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ሊብያ ናይ ዘምርሑ ዘለዉ ወገናትና ቊጽሪ ብኣሰካፊ መልክዕ ይዛይድ ከምዘሎ ወሲኾም ዘተሓሳሰቡ ምንጭታት ኤሪሳት፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕሱም ኩነታት ንኤርትራዉያን ኣሕዋትና ካብ ስቓይ ናብ ስቓይ ኪሳገሩ የገዲድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።