ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ከተዕኑ ንእትኽእል ዝነኣሰት ምኽንያት ዝጽበ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘካይዶም ኣልመምቲ ግፋታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ብስፍሓቱን ዉዳቤኡን ካብ ቅድም ዝብእስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብቲ ነዊሕ ዓመታት ከሳልየኒ እዩ ዝበሎ’ሞ ዘይከምሓሳቡ ዝተኾልፎ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣኽቲቱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝተለመ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ እቲ ዝተኾልፎ ኲናት ብገለ ዕንቅፋት ዳግም ክሳብ ዝጅምር ፡ ሓድሽ ናይ ዳግመህንጻ ክተት ኣዊጁ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየቕስን ሃዋህዉን ቊጺጽርን ንምሓዙ መዲቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፣ “መድረኻዊ ወፍሪ ልምዓት” ዝብል ሓድሽ ኣጀንዳ ሓንጺጹ ምህላዉን፡ ምሉእ ጉልበት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ኽድምና ተቘሪኑ ኪጸንሕ ከምዝኾነን ዘመላኽት መርድእ ነጊሩ ነይሩ።
መንሰያት ኣብቲ ተሓንጺጹ ዘሎ መድረኻዊ ወፍሪ ልምዓት ክሳተፉ ኣለዎም ዝብል፡ ቀንዲ ካብቲ ህግደፍ ነዚ ብዝሓየለ ዝቕጽሎ ዘሎ ግፋ ዝህቦ ምኽኒት ከምዝኾነ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት የረድኡ።
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይዂን መንገዲ ዝቕጽለሉ ሜላ ካብ ምርቃቕ ዘይደቀሰ ዘሎ ህግደፍ፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ስግኣታት ይቀላቐል ከምዘሎ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ህወሓት ይለማለምን ንትእዛዛት ኣመሪካን መሓዙታን ይሰምዕን ምህላዉን ካልእን ዝብሉ ግጉይ እመታታት እንዳሃበ ፣ ንሓይልታት ኣምሓራን ፡ ኣንጻር ህወሓት ንዝቃለሱ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ቀጻሊ ሓገዝ ይህብን ኣብ ተዳሎ ክጸንሑ ይመክርን ከምዘሎ ኣይርሳዕን።