ነቲ ህወሓት ኣብ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ብሓፈሻ ኣብ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ብቃልዕ ዝቃወም ዘሎ ውድብ ነጻንት ትግራይ ማለት ዉ.ና.ት ፡ ህወሓት ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽዉዕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ጸዊዑ።
ዉ.ና.ት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ህወሓት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ንፖለቲካዊ መጻኢ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቱ ከምዘሎ ጠቒሱ፣ እቲ ጉዳይ ከይሳዕረረ ህወሓት ካብ ስልጣን ኪወርድ ዝጽውዕ ህዝባዊ ጻዉዒት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ከም ው.ና.ት ፣ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ዝበላ ሰልፍታት ክልል ትግራይ ነቲ ህወሓት ካብ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ዘርእዮ ዘሎ ስንፍና በቲ ሓደ ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ትግራይ ንምብሓት ዝገብሮ ዘሎ ሽርሕታት ድማ በቲ ካልእ ብግህዶ ይቋወማን ይነቕፋን ከምዘለዋ ይፍለጥ።
እተን ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ምስ ህዝባዊ ኣኼባታት ከየቃንዓ ብተደጋጋሚ ክኽልከላ ምጽናሐን ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣብ’ቲ ኪቐዉም ዝስረሓሉ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕብለላ ህወሓት ይዛይድ ኣሎ ብምባል ኣብ’ቲ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምርቋሓን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንምጽፋፍን ዝቃንዑ ዋዕላታት ካብ ምስታፍ ኢደን ይስሓባ ከምዘለዋ እዮም ዘረድኡ።
እዚ ዉ.ና.ት ኣብ ከተማ መቐለ ኽካየድ ጸዊዕዎ ዘሎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ብህወሓት ከቢድ ብድሆ ኪገጥሞ ከምዝኽእል ዝግመት ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ ብኣካይዳታት ህወሓት ይጒሂ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ስለዝግለጽ ግን ፣ ሓያለ ተጋሩ ኣብቲ ተጸዊዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኪሳተፉ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ይዝረብ።
ህወሓት ንመስርሕ ምቛም መሰረጋገሪ መንግስቲ ብዝጠዓሞን ንሱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ብዘኽሎን መኣዝን ክዕብልሎ ይፍትን ከምዘሎ ዝኸሳ እተን ሰልፍታት፣ እዚ ኣብ’ታ ኣብ ምሉእ ዕንወት እትርከብ ክልል ተወሳኺ ጥፍኣት ከኸትል ከምዝኽእል እየን ዘጠንቅቓ ዘለዋ።
ዉ.ና.ት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት መግለጺኡ ፣ ሰብስልጣን ህወሓት ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳታቶም ኣብ ትግራይ ኩሉዓይነታዊ ህልቂትን ዕንወትን ከጋጥም ገይሮም ከይኣክል ፣ እዚ ዕጅብ ከይበሎም ብዋጋን መጻኢን ህዝቢ ትግራይ ገና ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘሎ ኣማራጺታት ይኽተሉ ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ።
“ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ፕለቲካዊ ሕሰም ብሰንኪ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ንዛረብ ዝነበርና ተጋሩ፡ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ናይ ኤርትራ ኲነታት ብህወሓት ክበጽሓና ክንርእይ ናይ ሞት ሞት እዩ” ክብል ዝገለጸ ዉ.ና.ት፡ ኣብ ዉሽጥን ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣብ ልዕሊ መጻኢኡን ድሕነቱን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብኣጋኡ ፍታሕ ክርከቦ ተሪር ቃልሲ ከምዘድሊ እዩ ኣገንዚቡ።
መራሕቲ ህወሓት ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሐ ዉርደትን ህልቂትን ሻቡ ረሲዖም ፡ ብዋጋ እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝኾነ ዓይነት መንገዲ ኪኽተሉ ስኽፍ ከምዘይብሎም፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘርእይዎ ዘለዉ ባህሪ ንጹር ኣብነት ምዃኑ እዉን ዉ.ና.ት ይገልጽ።