ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጽዩሉ ዘሎ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናብታ ሰራዊቱ ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ዩክሬናዊት ከተማ ማሪያፖል ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።
እቲ ሩስያዊ መራሒ ፣ ናብታ ከተማ ዝበጽሕ ዘሎ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ፣ ኣብታ ከተማ ብሰራዊት ሩስያ ንዝቃናዕ ዘሎ ዳግመ ህንጻ ከምዝተዓዘበን ምስ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ከምተዘራረበን እዩ ቤትጽሕፈት ክረምሊን ዘረድእ።
ንባሕሪ ኣዞቭ ኣብ ዝጥምት ዞባ ዶነትስክ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማሪያፖል ሓንቲ ካብ ከተማታት ጽንዓት ሰራዊት ዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ተባሂላ እትጽዋዕ ኮይና ፣ ሰራዊት ዩክሬን እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሩስያ ከይተኣቱ ንሓያለ ሰሙናት እኳ እንተትከለ ንጽዑቕ መጥቃዕታት ከቢድ ብረት ሩስያ ክጻወር ብዘይምኽኣሉ ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ነታ ከተማ ከምዝኸሰራ ይፍለጥ።
ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ማለት ICC ፡ፕረዚደንት ፑቲንን፡ ንሰብኣዊ መሰላት ቈልዑ ዝከታተል መንግስታዊ ክፍሊ ሩስያ እትመርሕ ማርያ ቮቫ በሎቫን ፡ ንህጻናት ዩክሬን ብሓይሊ ኣፈናቒሎም ናብ ሩስያ ኣግዒዞም ብዝብል ክሲ ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታ ክእሰሩ ኣህጉራዊ ፍቓድ ድሕሪ ምውጻኡ እዩ ፕረዚደንት ፑቲን ናብ’ታ ዩክሬናዊት ከተማ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ንጸሊም ባሕሪ ዝዳወቡ ምብራቓዊ ከባቢታት ዩክሬን ኣብ ምቊጺጻር ርኡይ ገስጋስ ተርኢ ከምዘላ ዝንገረላ ሩስያ ፣ ኣብ ዕብለላን ጽልዋን ናይቲ ሃገራት ምዕራብ ዝገዘፈ ተገዳስነት ዝህብኦ ስትራተጂካዊ ባሕሪ ላዕለዋይ ኢድ ክህልዋ ዝገብር ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝኸተመሉ ባዕላዊ ዉዕል ፡ ነተን ብረፈረንደም ምስ ሩስያ ክጽንበራ መሪጸን ኣለዋ ዝበለን ግዝኣታት ኬርሶን፣ ዛፖሮዢዥያ ፡ ላህንስክን ዶነትስክን ኣካል ሩስያ ምዃነን ብወግዒ ሓቢሩ እዩ። ሃገራት ምዕራብ ግና እቲ ረፈረንደም ሕጋዊ ተፈላጥነት ከምዘይብሉ እየን ዝምጒታ።
ምስ ዩክሬን ኪግበር ዝደል ስምምዕ ሰላም ፍር ክርከቦ እንተኾይኑ ፡ ዩክሬን እተን ግዝኣታት ደጊም ኣካል ሩስያ ምዃነን ምስ እትኣምን ጥራይ እዩ ክብል ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ መግለጺ ኣዉጺኡ ኔሩ።
ኲናት ዩክሬን ዝለዓለ ጥርዚ ወኒኑ ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ምትፍናን ማዕረማዕሪኡ እንዳነሃረ ናብ ዝገዘፈ ዓለማዊ ኲናት ከይምራሕ ተሰጊኡ ምህላዉ ኣይርሳዕን።