ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባኡ ኣነጺርዎም ዘሎ ብድሆታት፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጸጥታዊን ቊጠባዊን ስግኣት የዛይዱ ኣለዉ ዝብሎም ኣካላት ሰፊሕን ዝተወሃሃደን ኣራሚ ስጒምቲ ኪወስድ ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ።

ድሕሪ ብሄርን ከባቢን ተሓቢካ ዝፍጸሙ ገበናት ብልሽዉና ፣ ምስዋር ግርጭታት፡ ምዉቓዕ ዕዳጋታትን ካልን ካብ ዝገዘፉ ብድሆታት ኮይኖም ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ሰልፊ ብልጽግና ፣ ነዚ ኣደብ ንምትሓዝ ተሪር ስጒምቲ ከድሊ ምዃኑ እዩ ገሊጹ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀይዲ እንዳበተኸ ይኸይድ ዝመስል ዘሎ ክልላዊ ምትፍናን ፡ ንቀጻልነት መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ከየምርሓ ልዕሊ ካል እዋን ተሰጊኡ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ብልጽግና ኣነጺርዎም ዘሎ ሃገራዊ ስግኣታት ንምዕራፍ ብዛዕባ ዝወስዶም ስጒምትታት ዘይምዝርዛሩ ኣተሓሳሲቢ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ነቶም ስግኣታት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ንፖለቲካን ቊጠባን እታ ሃገር ይጸልዉ እዮም ዝበሃሉ ዜጋታት ናይ ምድቓቕ ወፍሪ ንምክያድ ክምኽነይ ከምዝመስል ዘተሓሳስቡ ወገናት እዉን፣ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገሩ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ስግኣት ብሰላማዊ መንገዲ ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሉን ፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ጥራይ ከውሕሱ ካብ ዝዓለሙ ወገናዊ ስጒምትታት ኪቚጠብን ይጽውዑ ኣለዉ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ካብ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር ዝዘንብዎ ዘለዉ ብድሆታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ እታ ምስ ህግደፍ ዝለዓለ ዝምድና ፈጢራ ዘላ ክልል ኣምሓራ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢራ ምህላዋ ኣይርሳዕን።

ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሖም ትሑት ምትእምማን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝርዳእ መራሒ ህግደፍ፣ እቶም ሓይልታት ምሉእ ተስፋኦም ኣብ ህግደፍ ኪወድቕን፡ ብመንገዶም ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምጽላዉን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሕን ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ክልል ኣምሓራ ድልዱል ወተሃደራዊ ቊመና ከምትዉንን እንተጌርካ ፡ ግዝኣታዊ ሕቶ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ወልቃይት-ጸገዴን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ ጠንቂ ቀጻሊ ግርጭታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ኪኸዉን ከምዝኽእል ልዑል እምነት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ’ቶም ኣሰሓሓብቲ ከባቢታት ዘለዎም ቊጽጽር ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዝመጽኡ ጸቕጥታት ዝብድህ ንምግባሩ ይጽዕት ከምዘሎ እዉን ምንጭታትና ብተደጋጋሚ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ስለዝኾነ ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ’ቲ እዋናዊ ኣኼባኡ ፣ ንኣካይዳታት ህግደፍ ምስቶም ግርጭታት ኣብ ምስዋር ወፊሮም ኣለዉ ዝብሎም ወገናት ጸንቢሩ፡ ከም ስግኣት ዝረኣዮ ይመስል ።