ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ተዋስኦ ይነብር ከምዘሎ ፣ ኣብቲ “ሕጊ ንሰብኣዊ ክብረትን ልምዓትን” ብዝብል ዝተየሞ ናይ በይኑ ቅነ ሕጊ ተንጸባሪቑ።

ኣብ’ቲ ከም ግቡእ፡ ዓበይቲ ሃገራዊ ሕቶታት ኪለዓለሉ ዝነበሮ ቅነ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ንይምሰል ዝሰርዖም ሒደት ናይ ተዋስኦ ሰሚናራትን ክትዓትን እንተዘይኮይኑ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ብጽንብልን ባዛርን ኪዉከል እዩ ተገይሩ።

ገዘፍቲ ሃገራዉያን ሕቶታት ንግዳም ከይወጹ ብድሕሪ ኪነትን ዳንኬራን ምሕባእ ዝለመደ ህግደፍ፣ ሕጂ’ዉን ምስቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ቴማን ቊንቁናኡ ዘይተጋህደ ቅነን ዝነኣሰ ምትእስሳር እዉን ክህልዎ ዘይክል ናይ ጎደና ምርኢታት ባህሊን ሸቐጥን ኪዉድብ ኣይሓነኸን።

ንሃገራዊ ቅዋም ብምቕባር፡ ንሓጋጊን ፈራዲን ኣካላት መንግስቲ ቆሊፉ ንሃገርን ህዝቢን ብናይ ባዕሉ ሕጊታት ዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ካብ 13 ክሳብ 18 መጋቢት ዝቐጸለ ንኻልኣይ ግዜ ቅነ ሕጊ ከካይድ ምድፋሩ ፡ ብመሰረቱ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሕጊን ሰብኣዉነትን ዘለዎ ንዕቀት ዘረጋግጽ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሓቢሮም ኔሮም።

መሰረታዊ ዕላማ እዞም ቅነታት ፡ እቶም ብባዕላዊ ዊንታታት ህግደፍ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 32 ዓመታት ነጻነት ዝተስገደዱ ኣዋጃት ከም መውከሲ ሃገራዊ ሕጊ ንምስማሮም ከምዝኾነ ዝሕብሩ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ፡ እዚ ድማ ፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ-ሕጊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ብቓልዕ ኸካይዶ ዝጸንሐ ወራር ወግዓዉነት ንምልባስ ዝሓለነ ምዃኑ እዮም ዘተሓሳስቡ።

ህዝቢ ኤርትራ ፡ ብድምጹን ብወከልቱን ንትግባረ ዘቃረቦ ቁዋሙ ተመንዚዑ፡ ብትእዛዛትን ኣዋጃትን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ምስቶም ዘሳቕይዎ ዘለዉ ኣዋጃት ንኽላለን ንኽዋሰብን ሰሚናራት ቅነታትን ምዉዳብ ለሚዱ ይርከብ።

‘ቅነ ፍትሒ’ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ንኹሎም ኣዋጃት እቲ ጉጅለ ከም ሃገራዉያን ሕግታት ኽርዕሞምን ኪዉከሶምን ንምግዳድ ዝዓለመ ከምዝኾነ ደጊሞም ዘብርሁ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ እዚ ግን ካብ ግዝያዊ ሃልኪ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ፣ ጉጅለኣዊ ሕግታት ምስ ምዉዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ዝበኑ ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ቅዋሙን ነቲ ቅዋም ዝሕልዉ ኣካላት መንግስቱን ንምምላስ ብዉሽጢን ግዳምን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከበራትዕ እዮም ዘተሓሳስቡ።