ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ ፡ ብውሑዱ ኣስታት 800 ሽሕ ሰሜን ኮርያዉያን ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ክጽንበሩ ከምእተመዝገቡ መንግስታዊት ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።
ብመሰረት ሓበሬታ እታ ‘ሮዶንግ ሲሙን’ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ዝበዝሑ ተማሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ዝኾኑ ኣስታት 800 ሽሕ ዜጋታት ኣንጻር እቲ ካብ ኣመሪካ ኪመጽእ ዝኽእል ዝብልዎ ተጻብኦ ንምቅላስ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ምምዝጋቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ምምዝጋብ እቶም ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ሰሜን ኮርያ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣመሪካን ደቡን ኮርያን ዘቃንዐኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክልተ ናይ ርሕቀት ባሊስቲካዊ ሚሳይል ፈተነታት ምክያዳ ዝስዕብ ዘሎ እዩ።
ስርዓተ ዉትህድርና ሰሜን ኮርያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ን10 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ን3 ዓመት ኪዕስክሩ ዝግድድ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ሰራዊት ክጽንበር ተመዝጊቡ ዝበሃል ዘሎ ልዑል ቁጽሪ ዜጋታት ብወለንታ ድዩ ወይስ ብዘይወግዓዊ ትእዛዝ መንግስቲ ዛጊት ብነጻ ኣካል ክረጋግጽ ኣይተኻእለን።
ካብ 13 መጋቢት ጀሚሩ ክሳብ 24 መጋቢት ኽቕጽል ተመዲቡ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣመሪካን ደቡን ኮርያን ፡ ንሰሜን ኮርያ ከቘጥዕን እታ ሃገር ቆመነኣ ንምምስካር ኣብ ሞንጎ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣብ ዘሎ ማያዊ ከባቢ ናይ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈተነታት ከተዛይድ ይገብርን ምህላዉ ይንገር።