ስደተኛታት ጽዒና ካብ ቱርኪ ናብ ጥልያን ተምርሕ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ ቁጽሪ ምዉታት ይውስኽ ከም ዘሎ ተገሊጹ ።

ብ26 ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዘጋጠመ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ ልዕሊ 86 በጺሑ ከም ዘሎ ተገሊጹ ።ሰብ መዚ ሂወት ኣድሕን ዓዲ ጥልያን ሬሳታት ክልተ ህጻናት ሓዊሱ ተወሳኺ ሓሙሽተ ሬሳታት ረኺቦም ከም ዘለዉ እውን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካላብሪያ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ሰብ መዚ ሂወት ኣድሕን ጥልያን ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ናይ ሂወት ኣድሕን ስራሕ ተመጸሚዶም ከም ዘለዉ እዩ ዝሕበር ዘሎ ድሮ እውን ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ሬሳታት ከምዝረኸቡ ክገልጹ ከለዉ ፣ እዚ ድማ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ ልዕሊ 86 ብምብጽሑ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሓደጋታት ስደት ሓደ ይገብሮ።

ኣብታ ካብ ኣውራጃ ኢዝሚር ቱርኪ ተበጊሳ ብ26 ለካቲት ኣብ ጥቓ ከተማ ስቴካቶ ዲ ኩትሮ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ካላብሪያ ዝጠሓለት ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ልዕሊ 170 ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይግመት። ገና እውን እቲ ናይ ምድላይ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ፒያንተዶሲ ከም ዝበሎ፡ 80 ሰባት ካብቲ ስብርባር መርከብ ከም ዝደሓኑን፡ ሰበስልጣን ሂወት ኣድሕን ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

ከንቲባ እቲ ከባቢ ኣንቶንዮ ሴራሶ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ገለ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ስደተኛታት ብህይወት ክድሕኑን ምኻኣሎም ዘሐጉስ ምኻኑ ነቶም ዝተረፉ እውን ኩነታቶም ንምፍላጥ ናይ ሂወት ኣድሕን ስረሓት ይግበር ከም ዘሎ ገሊጹ።

ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን፡ ፓኪስታንን ሶርያን ዝመጹ ዜጋታት ኣብታ መርከብ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እታ ጃልባ ብለይቲ ስለ ዝጠሓለት፡ ህይወት ንምድሓን ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ሰብ መዚ ሂወት ኣድሕን ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም ። ካብቶም ዝሞቱ እቶም 35 ህጻናት ምኻኖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።