ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ዜጋ ብቚጠባ ንምድኻሙ መደብ ሓንጺጹ ንዝበኣሰ ሃስያ ተዳልዩ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፣ መጠን ሸርፊ’ቲ ናይ ምሽማት ሓይሉ ዛጊት ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ ባጤራ ናቕፋ ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ኣመና ከምዝዳረግ ጌርካ ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ስድራቤቶም ንምርዳእ ዝሰድዎ ብዝሒ ገንዘብ ንኪተዓጻጸፍ መደብ ተሰሪዑ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ህግደፍ ነቲ ተወዳዳሪ ሰደድ ዘይለበሰ ቊጠባ ኤርትራ ዝዉክል ባጤራ ናቕፋ፡ ናይ ምሽማት ዓቕሙ ዝኾነ ምምሕያሽ ከመዝግብ ከይሓሰበ ፡ ተሸራፍነቱ ጥራይ ከጉድል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትና ስድራቤቶም ንምድጋፍ ልዕሊ’ቲ ኣቐዲሞም ዝሰድዎ ዝነበሩ መጠን ገንዘብ ክሰዱ ኣገዲዱን ኣብ ቀጻሊ ፊናንሳዊ ማሕነቘ ኪጻገሙ ገይሩን ይርከብ።

ነዚ ማሕንቘ እዚ ብምዝያድ ፡ እቲ ኣብ ስደት ዝነብር ዜጋ ንዓበይቲ ሃገራዊ ሕቶታት ካብ ምስትብሃል ኣርሒቚ ብዛዕባ ጸገምን ሕሰምን ስድራቤቱ ጥራይ ኪሻቐል ዝገብር እዩ ኢሉ ዝኣምን ህግደፍ ፡ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናብ ኢዱ ንምእታዉ ንክኽተሎ ዝጸንሐ ኣካይዳ ብዝሓየለ ክሰርሓሉ ተሊሙ ምህላዉ እዮም ምንጭታትና ዘረድኡ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ቃለመሕትቱ ፣ ብዛዕባ ዕድላትን ሓድሽ ፖሊሲታትን ወፍሪ ተሓቲቱ ክንሱ ፣ ብዛዕባ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣዋህሊሎም ይኾኑን ከዋህልሉ ይግባእን ጥራይ ዝሃዉተተ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ጉጅለ’ኡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ወፍሪን ሰባዊ ልምዓትን ዘይኮነ፣ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢን ኣብ ግዳምን ዘሎ ህዝቢ ከመይ ጌርካ መወዳእታ ኣብ ዘይብሎም ሃገራዊ ወፈራታት ኣኽቲትካ ጉልበቶምን ሓሳቦምን ትሰርቆ ዝብል ሓሳብ ተኺሉ ክሰርሕ ምዃኑ እዩ ኣተንቢሁ።

ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብጉልበታዊ ወፈራታትን ጎስጓሳት ክተትን ኸርዲንካን ኣድኒንካን ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ዜጋ ድማ ብሻቕሎትን ሕሰምን ቤተሰቡ ጥራይ ኪሓስብ ንምግባር እምበኣር ፡ ህግደፍ ካብቶም ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ልሙዳት ሜላታትቱ ቀዳምነት ሂብዎ ዘሎ እዩ።