ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፡ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ኣነጺሩ።

እቲ ጸሓፊ ኣብ ዚሃቦ ሓጺር መግለጺ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓይልታት ትግራያን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ’ቲ ኲናት በብሸነኾም ዘሕትቶም በደላት ከምዝፈጸሙ እዩ ጠቒሱ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ ብዝተራቐቐ መንገዲ “ንሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሓለፋ ኪኸስስ እዩ ተራእዩ ዝብሉ ወገናት፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ክብል እንከሎ ፣ ንሓይልታት ትግራይ ግን ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ኲናት ተፈጺሞም ዘበሎም ከም ጾታዊ ዓመጽ፣ መግረፍቲን መቕተልቲን ዝኣመሰሉ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ሓራ ከውጽእ ምፍታኑ እዮም ዝወቕሱ።

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ፡ ንሓይልታት ትግራይ ብገበናት ኲናት ጥራይ ከሲሱ ነቲ እቶም ሓይልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ፈጺሞሞ ዝበሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዘይምዉቃሱ፡ ክሱ ጸግዒ ዝመረጸ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ እዮም እቶም ወገናት ዝገልጹ።

ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ’ዉን ንበደላት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ክምርምራ ዛጊት ተጣይሰን ዘለዋ ኣካላት ክሕብርኦ ከምዝጸንሓ ፣ ኣብ’ቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ስደተኛታትን ዝተፈላለዩ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነትን ገበናት ኲናትን ከምዝፈጸሙ እየን ዘተንብሃ ።

ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን እዉን ንመግለጺ ብሊንከን ሻቡ ኪቃወሙን ናይ ባዕሎም መጎተታት ከቐምጡን ግዜ ኣይወሰዱን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ እቲ ክሲ ጭቡጥ መርትዖታትን ከየዋህለለ ዝተደምደመ ጸለመ እዩ ብምባል ፣ መግለጺ ብሊንከን ንፈጽሚ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ምዃኑ ወቒሱ ኣሎ።