ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዝ ወሲኑ። ኣብ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ’ቲ መዝገብ ዘስፈረ እቲ ባይቶ ፣ ሎሚ 22 መጋቢት ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ እዩ ነቲ ዉሳኔ ኣሕሊፉ።

ህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸበርቲ ኪስረዝ ሓደ ካብ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ኮይኑ፣ እቲ ምስራዝ ምስ’ቲ ፈደራላምዊ መንግስቲ ምስተቐበሎ ኪቐዉም ዝተባህለ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቀጥታዊ ጽልዋ ዝህልዎ ብምዃኑ፣ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኪመርሖ ተሓጽዩ ዝተባህለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ፣ ንህወሓትን ብሸኔ ዝጥቀስ ዕጡቕ ወገን ግንባር ኣርነት ኦሮምን ኣብ መዝገብ ሽበራ ብምስፋር ፣ ን62 ነባራትን ሓደስቲን ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ምስ ሽበራ ብዝተተሓሓዙ ገበናት ክሲ መስሪትሎም ምንባሩ ይዝከር። ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን፡ ሕጂ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኪመርሕ ተሓጽዩ ዘሎ ጌታቸዉ ረዳን ካብቶም ተኸሰስቲ ምንባሮም እዉን ኣይርሳዕን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ምብጻሕ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸበርቲ ኪስርዝ ምዉሳኑ፣ እቲ ዉሳኔ ብምብጻሕ እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣንን ፡ ኣብ መገሻኡ ኣዝኒብዎም ከይዱ ኪኸዉን ብዝኽእሉ ትእዛዛትን ዝተደፍአ ኪኸዉን ይኽእሉ እዩ ዝብሉ ወገናት እዉን ኣለዉ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መገሻኡ ፡ ፈጽሚ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝሓጸረ ክረጋገጽ ልዑል ድሉውነት መንግስቲ ኣመሪካ ከምዘሎ ኣነጺሩ እዩ።