ካብ ኣልጀርያ ዝተሰጎጉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሜናዊ ኒጀር ተደርብዮም ከምዘለዉ ሓካይም ብዘይ ዶብ ማለት (MSF) ሓቢሩ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብሓሙስ 16 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ቁጠባዊ ምትኽካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን (ኢኮዋስ) ነቶም ኣብ በረኻታት ከተማ ኣሳማካን ኣብ ጥቓኣን ተኸርዲኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ብህጹጽ ደገፍ ክግበረሎም ጸዊዑ።

እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ካብ 11 ጥሪ ክሳብ 3 መጋቢት 2023፡ ብድምር 4,677 ስደተኛታት ናብታ ኣብ ዞባ ኣጋደዝ እትርከብ ከተማ ኣሳማካ ከም ዝኣተዉ ክሕብር ከሎ ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ኣልጀርያ ተሰጒጎም ኣብ ምድረበዳ ምስ ተረፉ ብእግሮም ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ምኻኖም እዩ ዘረድእ።

ብመሰረት ጸብጻብ MSF “ትሕቲ 15% ካብቶም ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ናይ መግቢ ማይን መጽለሊን ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ እውን ኣብሪሁ ኣሎ። እንተኾነ ግን ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ በረኻታት ኒጀር ተበቲኖም ምስ ምህላዎም ኩነታቶም ንምፍላጥ ማሕበረሰብ ዓለም ምስቶም ኣካላት ክተሓጋገዝ ጸዊዑ ።

ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ መጀመርታ 2022 እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ኣብ ኒጀር ልዕሊ 300,000 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከም ዘለዉ ሰነዳቱ ይሕብሩ ።