ኣባል ባይቶ ኒውዚላንድ ፡ ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር፡ ንፕረዚደንት ሰልፊ ዕዮ ነበር ክሌር ስዛቦ ስዒሩ፡ ኣብ’ቲ ንግራንት ሮበርትሰን ንምትካእ ዝካየድ ምርጫ ሰልፊ ዕዮ ከተማ ዌሊንግተን ክወዳደር ተሓጽዩ።

ካብ ምጅማር ዓመተ 2008 ጀሚሩ ነቲ መንበር ሒዙ ዝርከብ ሚኒስተር ፋይናንስ ግራንት ሮበርትሰን፡ ኣብ ምርጫ 2023 ከምዘይወዳደርን፡ ንይምሰል ጥራይ ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ተጸንቢሩ ጎስጓስ ክገብር ምዃኑ ይሕብር ብምህላዉ እዉን፣ ኢምብራሂም ዑመር ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ዝለዓለ ናይ ምዕዋት ዕድል ክህልዎ እዩ።

ነቲ ክፍቲ ቦታ መን ይብቃዕ ኣብ ዝብል ፡ ኢብራሂም ዑመር ድሮ ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቲ ሕጹያት ጌል ዳንከን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ፕረዚደንት ሰልፊ ዕዮ ኒውዚላንድ ዝነበረ ጀምስ ሊትልን ስዛቦን ዓወት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ከም ስደተኛ ናይ ኒዉዚላንድ ዝኣተወን ፡ ናይ ጽሬት እንዳሰርሐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶርያ ትምህርቱ ዝዛዘመን ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር፡ ናይ’ታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ከተማ ዌሊንግቶን ሕጹር ሰልፊ ዕዮ ኪኸዉን ምብቃዑ ዝተሰምዖ ሓጎስ ብምግላጽ ፡ ኣብ ዓወት እንተበጺሑ ነታ ከተማን ህዝባን ሓያል ተጣባቒ ከምዝኸዉን ይሕብር።

“ብትሑት ደሞዝ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሐ ሰብ ከም ኩሉ ኣብ ማሕበረሰባትና ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ሰብ ንቕድሚት ክኸይድን ህይወቱ ከማሓይሽን ከም ዝኽእል ከረጋግጽ እደሊ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ማሕበረሰባት ተኣኪቦም ለውጢ ከምጽኡ ድማ ርእየ እየ፣” ዝበለ ኢብራሂም ዑመር ፡ “ከተማና ንምልላይ፡ ንኹሉ ድንቅን ፍሉይን ዝገብረና ንምጽንባል፡ ከምኡ’ውን ዘድልየና ምምሕያሻት ንምግባር ኣበርቲዐ ብምስራሕ ኣብነት ክኸውን ይደሊ” ኢሉ ።

ኢብራሂም ቅድሚ ኣብ 2020 ከም ኣባል ባይቶ ምምራጹ ፡ ከም ኣቦ-መንበር ቦርድ ናይ’ቲ “ዳግመ-ምጥያስ ኣምጻእቲ ለዉጢ” ዝበሃል መድረኽ ፣ ከም ወዳቢ ናይ’ቲ ትሑት ንዝደሞዞም ሰራሕተኛታት ዝሕለቕ ማሕበር፡ ዝነጠፈ ኮይኑ ፣ ኣብ ምሕደራ ምንቅስቓስ ንለዉጢ መንብሮ እዉን ብመሪሕነት ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኦሻንያን፡ ፖለቲካዊ መናብር ናይ ዝሕዙ ኤርትራዉያን ቊጽሪ ይዓቢ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ንኣባል ባይቶ ኒውዚላንድ ኢብራሂም ዑመር ሓዊስካ ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንክፍለ-ሃገር ኮሎራዶ ወኪሉ ኣባላነት ኮንግረስ ኣውሒሱ ዝርከብ ጆ ንጉሰ፣ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ኣባል ባይቶ ሽወደን ኾይኑ ኪነጥፍ ዝርከብ ኣርሐ ሓመድነካ፣ ፣ ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፈደራላዊ ባይቶ ጀርመን ንምዃን በቒዓ ዘላ ዓወት ተስፋየሱስ ፡ ከምኡ’ዉን ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ናይ ስዊዘርላንድ ኮይኑ ዝተመርጸ መንእሰይ ሳምሶን የማነ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

ኤርትራዉያን ፡ ኣብ’ተን ነዊሕ ደሞክራስያዊ ሰረት ዝወነና ሃገራት ምዕቡል ዓለም ክሳዕ ክንድዚ ጽልዋ ኪግብሩ ምርኣይ ፡ ነታ ህዝቢ ዝጽበያ ዘሎ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ገዚፍ ተስፋ ዝህብን ፡ ንቕሙጥ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤርትራዉያን ዘመስክርን እዩ።