ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምእተመስረተ ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሎሚ 23 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ከም ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ክነጥፍ ብኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ምርካቡ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምምራሕን ምዉህሃድን ሓላፍነት ተገዚሙ ከምዘሎ እዩ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣነጺሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኪስረዝ ምዉሳኑ እዩ።

 

ህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸበርቲ ኪስረዝ ሓደ ካብ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ኮይኑ፣ እቲ ምስራዝ ምስ’ቲ ፈደራላምዊ መንግስቲ ምስተቐበሎ ኪቐዉም ዝተባህለ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቀጥታዊ ጽልዋ ዝህልዎ ብምዃኑ፣ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኪመርሖ ተሓጽዩ ዝተባህለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎ ዘመላኽት ምንባሩ ሓቢርና ኔርና።

ተቐባልነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸበ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምቛም፡ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምቛሙ ብወግዒ ምግላጹ ንፈጽሚ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኣብ ልዑል ተስፋ ዘቐምጥ እዩ።