ህዝቢ ክልል ኣምሓራን ገለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ክልልን ንምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኣትሪሮም ኪቃወሙ ምጅማሮም ፣ ነቲ ህግደፍ ርግኣት ሰሜን ኢትዮጵያ ከይረጋገጽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።

ህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸባሪ ኣዉጺካ ኣብ ትግራይ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ዕብለላ ከይንካእ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጒምትታት ፣ ቅልዉላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረክብ ጠንቂ ኪኾኑ እዮም ዝብላ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክልል ኣምሓራ ፣ ተቛዉሞአን ወግዓዊ ይገብራ ብምህላወን ፣ እዚ ነቲ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ንምዕንቃፍ ዝሃልኽ ዘሎ ህግደፍ ፍናኑ ዘበርኽ ከምዝኸዉን እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ( ኢዜማ) ከምኡ’ዉን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ( NaMA) ኣብዚ ቅንያት ተራኺቦም ድሕሪ ዘቃንዕዎ ናይ ምምኽካር ኣኼባ፣ ነቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዉሳኔ ዘለዎም ተሪር ተቛዉሞ ኣነጺሮም ኣለዉ።

መራሒ ሰልፊ ኣዜማ ዶክተር ብራህኑ ነጋ ከም ሚኒስተር ትምርቲ ፣ መራሒ ሰልፊ NaMa በለጠ ሞላን ድማ ከም ሚኒስተር ምህዞን ቴክኖሎጂን ብምዃን ኣብ ካቢነ እታ ሃገር ዝነጥፉ ዘለዉ ኮይኖም፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ስልፍታቶም ኣኼባ በብወገኖም ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ ፣ ህወሓት ካብ መዝገብ ሸበራ ምዉጻእ ማለት ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ኲናት ምሽማም ከምዝኸዉን እዮም ኣተሓሳሲቦም።

ሰልፊ ኣዜማ ካብ ዝገዘፉ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ፣ ልዕሊ 8 ፖለቲካዉያን ስልፍታት ኣብ 2019 ተላፊነን ዘቘምኦ ዘይነዓቕ ተቐባልነት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ዘለዎ እዩ።

ሓርበኛዊ ግንቦት 7 ፣ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ፡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኩሎም ኢትዮጵያዉያን፣ ሰማያዊ ሰልፊ፣ ሰልፊ ሓድሽ ወልዶ ፣ ክልላዊ ምንቅስቓስ ጋምቤላ፣ ሓድነታዊ ሰልፊ ንደሞክራሲን ፍትሒን ፡ ከምኡ’ዉን ሰልፊ ራኢ ኢትዮጵያ ዝተባህላ ስለፍታት ተላፊነን ዘቘምኦ ልፍንታዊ ሰልፊ ኣዜማ ፡ ምስ’ቲ ረብሓ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንኽሕሉ ኣብ 2018 ኣብ ከተማ ባህሪዳር ዝተመስረተ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ( NaMA) ብሓባር ኣነጺሮሞ ዘለዉ ተቛውሞ እምበኣር ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ንምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ብዝምልከት ሰፊኑ ዘሎ ዘይዕጉብነት ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።

ህግደፍ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝደልደለ ዝምድና ኣረጋጊጽካ ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ህወሓት እንዳተደናገጸ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክድልቦ ዝደሊ ዘሎ ጽልዋ ንምዕንቃጽ ተኺሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኪንሕብር ጸኒሕና ኢና።

ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሖም ትሑት ምትእምማን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝርዳእ መራሒ ህግደፍ፣ እቶም ሓይልታት ምሉእ ተስፋኦም ኣብ ህግደፍ ኪወድቕን፡ ብመንገዶም ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምጽላዉን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።