ነቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝመጽኦ ተነጽሎ ከም ምረቓ ወሲዱ፣ ህዝቢን ሃገርን ዓጺኻ ምልኪ ምርግጋጽ ዝለመደ ህግደፍ፣ ምስታ ዓለም ኮኒንዋ ዘሎ ሩስያ ተመሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ኣህጉራዊ ተነጽሎን ጽለኣትን ብዝሓየለ መልክዑ ንኽቕጽል ይሰርሕ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሮም።

ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተቓሪበን ተቓድየን እንተሰሪሐ ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘለኒ ምሉእ ቊጺጽር ክብረዘኒ እዩ ኢሉ ዝኣምን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ንኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ተነጽሎ ንምብላያ ፣ ጠንቂ ዞባዊ ሃወኽ ኪኸዉን፣ ንመልትከላት ኣህጉራዊ ሕግታት ሰብኣዉነት ብግህዶ ኪጥሕስ፣ ንዓለማዊ ስርዓት ቀጻሊ ክጻባእ፣ ከምዉን ምስቶም ኣንጻር ኣካይዳታት ማሕበረሰብ ዓለም ኪጓዓዙ ዝመርጹ ስርዓታት ኪመሓዞ ከምዝርአ ይፍለጥ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሩስያ ከደላድሎ ዝጓየየሉ ዘሎ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ምሕዝነት እምበኣር፣ መሰረታዊ ዕላማኡ ነቲ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣስሚራቶ ዘላ ተነጽሎ ንዝተናዉሐ እዋን ከምዝቕጽል ንምግባር ከምዝኾነ እዮም እቶም ምንጭታት ዝሕብሩ ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝተራኸቡ ልኡኻት መራሒ ጉጅለ ግደፍ ደጊሞም ዝነጸርዎ ነገር ኣንተደኔሩ፣ ኤርትራ ኣንጻር ዝኾነ ድሌትን ትጽቢትን ማሕበረሰብ ዓለም ደዉ ብምባል፡ ሩስያ ንእትወስዶ ዝኾነ ይዂን ስጒምቲ ከምትድግፎ እዩ።

ድሕሪ ምክታም ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ካብ ኣመሪካን መሓዙታን ድማ ብፍላይ ክመጾ ዝኽእል መቕጻዕቲ ኣጸቢቚ ዝፈልጥ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ዝርያ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ኣብ ህዉኽ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ተሸሚሙ ምህላዉ ኣይርሳዕን።

ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ፣ ህግደፍ ምስ ሩስያ ዝተፈላለዩ ጸጥታዉን ወተሃደራዉን ዉዕላት ብምስጢር ኣቃኒዑ ከምዘሎ፣ እቶም ውዕላት ድማ ንጸጥታን ድሕነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮኑ ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኖም የረድኡ።