ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተዓስቡ ተሓባባበርቲ ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ገዛ ገዛ እንዳእኣተኻ ዝካየድ ዘሎ ምልቃም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመሪሕነት ይዋስኡ ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ፍቐዶ ጎደናታት ካርቱም ዘካይድዎ ግፋ ሓሊፍዎም ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ይወስዱ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣየናን ከባቢን ገዛን ኪፍተሽ ከምዘለዎ ኣብ ምሕባር ዝነጥፉ ዘለዉ ፡ እቶም ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተላእኩ ምዃኖም እዮም ዚዛረቡ።
ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅሰብ ንነዊሕ ዓመታት ዝነጠፉ እሞ ስራሕ ምስ ዘሓሎም ምስ ህግደፍ ኪጸጋግዑ ዝመረጹ ገለ ዘይሓላፍነታዉያን ኤርትራዉያን፣ ሕልናኦም ቀቲሎም ነቲ ኣሕዋትካ እሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስራሕ የቃንዑ ከምዘለዉ እዩ ዝቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን መንሰያት ኪህሉ ኣመና ዘስግኦ ጉጅለ ህግደፍ፣ ምስ መንግስታትን ሰብመዚ ጸጥታን እተን ሃገራት እንዳተሻረሐ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም መንሰያት ቀጻሊ ራዕዲን ጸቕጢን ከምዝህሉ ጌርካ ኣርሒቖም ኪስደዱ ንምግዳዶም ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።
ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩልዎም ሓያለ ወገናትና ካብ ከተማ ካርቱም ብዘይምቁራጽ መልኽትታት ይሰዱልና ምህላዎም እዉን ከነፍልጥ ንደሊ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርቲን ገንዘባዊ ምዝመዛን ዕለታዊ እንዳብኣሰን ንቡርነት ወኒኑን ከምዘሎ ዘማርሩ እቶም ወጋናትና፣ ጨናፍር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ነቲ ርኡይ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ቦኺረን ብምህላወን፣ እቲ ጉዳይ እኹል ኣህጉራዊ ግንዛቤን ፍታሕን ኪረክብ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነቱ ኪዋጻእ እዮም ዝምሕጸኑ ዘለዉ።
ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ’ዚ ፍታሕ ተነፊግዎ ዘሎ ጸገም ኣሕዋቱ ናብ መንግስታትን ኣህጉራዉያን ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓናቱ ከቕርብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምውዳብ ጻዉዒቱ ከጽዕቕ ይግባእ።
በቲ ኣብ ሱዳን ዝወርዶም ዘሎ ዘየቋርጽ ድጎናን ገንዘባዊ ምዝመዛን ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ሊብያ ናይ ዘምርሑ ዘለዉ ወገናትና ቊጽሪ ብኣሰካፊ መልክዕ ይዛይድ ከምዘሎ፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕሱም ኩነታት ንኤርትራዉያን ኣሕዋትና ካብ ስቓይ ናብ ስቓይ ኪሳገሩ የገድድ ምህላዉ እዉን ብተደጋጋሚ ክንብር ጸኒሕና ኢና።