ጉጅለ ህግደፍ ፣ ላዕለዋይ ኣባል ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ከም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምምራጽ ከምዘይተሓጎሰ ፣ ካብ ስቕታ ናይ’ተን ዕረፍቲ ዘይፈልጣ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ንምርዳእ ከምዝከኣል ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም። ንህወሓት ካብ ፖለቲካ ትግራይ ንምርሓቚ ሓሊኑ ዝነበረ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኮይኑ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣቶ ጌታቸዉ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምምራጹ ብፍጹም ክወሓጠሉ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

 

ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ፣ ንፖለቲካዊ ስግግር ትግራይ በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብህጎ ድዩ’ስ ብናይ ህወሓት ምእዘና ከቃንዖ ዛጊት ዝተረጋገጸ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ህወሓት ኣብ’ዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ዘይነዓቕ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ግን ርዱእ መሲሉ ኣሎ። እዚ ድማ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ከይረጋጋእ ኣትኪሉ ንዝሰርሓሉ ዘሎ ዉዲት ፡ ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾኖ እዩም ምንጭታትና ዘረድኡ።

 

ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ህወሓት ይደናገጽን ፣ ንኤርትራ ዘስግኡ ኣማራጺታት ክወስድን ይርአ ከምዘሎን ፡ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራቱ ምኽሳስ ካብ ዝጅምር ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ። ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ህግደፍ ፣ ነቲ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከመስክሮ ዝሕልን ዘሎ ርኡይ ዕብለላ ኣመኽኒየን፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ኣብ ራሕቂ ኮይኑ ይደጋገፍ ኣሎ ዝብል ክሲታት እንዳንቀላ እየን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ስግኣት ኽጉስጉስያ ቀንየን።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኲናት ትግራይ ብጸቕጢ ኣመሪካን መሓዙታን ተኾሊፉና እዩ ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፣ መራሕቲ ህወሓት ገና ኣብ ስልጣን ኪቕጽሉ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ስልቲ ኽጥቀሙ ምርኣዩ ከም ስቡሕ ዕድል ክወስዶ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣረጋጊጽዎ ዝጸንሐ ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን ጽልዋ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ዝኸሰረ ህግደፍ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ፈጽሚ ከይርከቦ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን ከም ደ.ም.ህ.ት ዝኣመሉ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ብምስጢር ምድግጋፍ ከምዘየቋረጸ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።