ካብ ማያዊ ገማግም ቱኒዝያ ተበጊሳ ናብ ጥልያን እተምርሕ ዝነበረት ጃልባ ስደተኛታት ብምጥሓላ ብዉሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። መድረኽ ንማሕበረ-ቊጠባዊ መሰላት ዝተባህለ ታሓላቒ ትካል ብሰንበት 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ሰደተኛታት ፡ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ።

ቅድሚ እቲ ናይ ሰንበት ሓደጋ ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልታት ፡ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ካብ ዝተበገሳ ጀላቡ ብውሑዱ ሓሙሽተ ከምዝጠሓላ፣ ከምሳዕቤኑ 9 ሰባት ምማቶም ክረጋገጽ እንከሎ፣ ናይ 67 ስደተኛታት ደሃይ ዛጊት ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ እቲ ተሓላቒ ትካል ዝሕብር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዛለፋ ኣርባዕተ መዓልታት፣ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ናብ ጥልያን ዝተበገሳ ልዕሊ 80 ጀላቡ ከምዝዓገቱን፡ ኣብኣተን ተሳፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ከምዝቐየዱን እዉን ክፍለጥ ተኻእኢሉ ኣሎ። ወደባዊት ከተማ ፋክስ ፣ እታ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ከም ቀንዲ መበገሲት ክመርጽዋ ጀሚሮም ዘለዉ ቱኒዝያዊት ከተማ ምዃና እዩ ዝንገር።

ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፣ ኣብዚ ዓመት ናብ ዓዲ ጥልያን በጺሖም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 12 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝተበገሱ እዮም። ኣብ 2022 ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ብዝሒ 1,300 ጥራይ እዩ ኔሩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብዚ ዓመት ዛጊት ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ጉዕዞ ክምለሱ ተጌሩ ኣሎ። በዚ ድማ ብዝሒ ናይቶም ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝብገሱ ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ናይ ሊብያ ይዳረግ ከምዘሎ ክርዳእ ይከኣል።

ካብ ቱኒዝያ ዝንህር ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝብርኽ ዘሎ ጽለኣት ይብእስ ምህላዉ እዉን ይንገር።

ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ብምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃር ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይረኣዩ ምህላዎም ተገሊጹ እዩ። ብዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕቲታት ሰጊኦም ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኤምባሲታቶም ብምኻድ ዑቅባ ይሓቱ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ዕለታዊ ክዛይድ ይርከብ።

ሓያለ ካብቶም ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብናይ እምባጋሮ ጉጅለታትን መንእሰያትን ናይ ዝነብሩሎም ከባቢታት ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ይበጽሖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ኮይኖም፣ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምድንጓያት ከምዘርዩ እዮም ዝወቕሱ።