ኤምባሲታት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኪምንዝዕኦ ተነጊርወን ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምቚጻይ ኩሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ደላዪ ፍትሒ ሓላፍነቱ ኪዋጻእ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነጥፉ ምንጭታት ኤሪሳት ኣተሓሳሲቦም።

ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ዘደፋንቚ ምኽኒታት እንዳመስርሐ ፣ ኣብ ምጭፍላቕን ምጩቋንን እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ዘዉዕሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣምሪካን ካልኦትን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪቃለስዎ ከምዝግባእ እዮም እቶም ምንጭታት ዝምሕጸኑ።

ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ዳግም ንምድህላል ብህግደፍ ተሓንጺጾም ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ምድላዋት ክግበረሎም ዝጸንሑ ጐስጓሳትን ህዝባዊ ሰሚናራትን ድሮ ኺካየዱ ጀሚሮም ምህላዎም ይፍለጥ። እቲ ዕላማ ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ዜጋ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ወገኑ ዘለዎ ሻቕሎት መዝሚዝካ ልዑል ገንዘብ ንምምንዛዕ ጥራይ እዩ።

መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ብዝብል ምስምስ ገንዘብ ኪዋጽኣሎም ይኽሉ እዮም ዝተባህሉ መዝመዝቲ ሸነኻት ከወዓዉዓ ተነጊረወን ዘሎ እተን መሓዉራት፣ ድሮ ኣብ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሽፋን ህዝባዊ ሰሚናራት ፡ ንመግዝኢ ሕማማት መንሽሮ እተለሊ መሳርሒት ብዝብል- ካብ ተሳተፍቲ ገንዘብ ኪእከብ ይጉየ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኤምባሲታት ህግደፍ ፣ መንግስቲ ገዚፍ ዳግመ ህንጻዊ መደብ ወጢኑ ኣሎ ብዝብል ምስምስ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ጎስጓስ ምድላዋት ይገብራ ከምዘለዋ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ምሕባሮም ኣይርሳዕን።

እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፡ ኤርትራ ደጊም ካብ ስግኣት ወያነ ስለዝወጸት ህግደፍ ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ተሃድሶን ማሕበራዊ ሕዉየትን ወጢኑ ከምዘሎ እንዳጎስጎሳ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ መደባት ሰሪዐን ምህላወን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኔሮም ።

እተን ኢምባሲታት ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ምስ ህዝቢ ከካይዳ፣ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ሓሶት መደባት ከውዓዉዓ፣ ድሕሪ ደጊም ህግደፍ ራህዋን ጥዑም መነባብሮን ህዝቢ ንምርግጋጽ ጥራሕ ከምዚጓየ ኽሰብካን ካልን ዝብሉ ትእዛዛት ስራሕ ተዋሂቡወን ክዳለዋ ምጽንሐን ሓቢርና ኢና።
ህግደፍ ንህዝቢ ብሓሶት ንምጥባር ከምልሙድ ኣብ ባይታ ኪህልዉ ዘይኮኑ መደባትን ተስፋታትን ብመንገዲ ናይ 03 ኣሃዱታቱ ክነዝሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ኪሕበር ቀኒዩ እዩ።

ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ፣ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ፣ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር፣ ምህናጽ ኣባይቲን ዳግመ ምጅማር ምዕዳል መሬትን፡ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዘለዉ ምዃኖም እዉን ተሓቢሩ እዩ።

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ከመኽንዮ ዝጸንሐ ስግኣት ተጸንቂቚ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ካልእ ምኽንያት ሃሰዉ ዝብል ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ክሳብ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዘኽእል ሓድሽ ምኽንያት ዝረክብ ኣተስፈዉቲ መብጸዓታት ክነዝሕ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።