ዕጡቓት ጉጅለታት ሱዳን ናብ ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገር ንምጽንባረን ዝዓለመ ወግዓዊ ልዝብ ብወግዒ ተጀሚሩ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊን ሲቪላዊን ሸነኻት መዝነት እታ ሃገር ጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ፣ ማእከላይ ኣካል ናይቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ንምርካብ ጀሚሩ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ እዩ።
ሲቪላዊ ስርዓት ንምንግስትነት እታ ሃገር ኪዉንን ኽጠልባ ዝጸንሓ ፖለቲካዉያን ሓይልታት፣ ንኹለን ዕጡቓት ምልሻታት ዝጠርነፈ ተገዛእነቱ ንመንግስቲ ጥራይ ዝኾነ ሰራዊት ሱዳን ኪረጋገጽ ኣጥቢቐን ኪጽዉዓሉ ካብ ዝጸንሓ ጉዳይ እዩ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ፣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘይነዓቕ ጽልዋ ወኒኑ ዝርከብ ፡ ምክትል መራሒ እዋናዊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝመርሖ “ሓይልታት ንጡፍ ድጋፍ” (RSF) ዝስሙ ናይ ፓራሚሊታሪ ጉጅለ ናብ መሳርዕ ሰራዊት ሱዳን ብውግዒ ንምጽንባሩ ዝሓለነ እዩ ።

እቲ ናይ ሕሜቲ ኣሃዱ፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝመዓራረ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብ ዝዉንን ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺን ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝተኻየደ ዕልዋን ፣ ኪንይኡ ኣብ ዝቐጸሉ ወተሃደራዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ስልጣን ኪጸንሕ ዘኽኣሉ ስጒምትታትን ዘይነዓቕ ተራ ዘመስከረ እዩ።

“ሓይልታት ንጡፍ ድጋፍ” ዝገዘፈ ክፋሉ ብኣባላት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ብ ጃንጃዊ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ ዝቖመ ወገን ምዃኑ ይፍለጥ። ዕጡቕ ጉጅለ ጃንጃዊ ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ፈለማ 2000 ዝተወልዐ ግጭት ንምብዳህ ብፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ዝተጣየሰ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኲናት ብህልቂት 300 ሽሕ ሰላማዉያን ሰባት እዩ ዝኽሰስ።