ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ህግደፍ – ባይታ ዘይምስክሮም ጠቐነታት ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ነጋዶ እናመስርሑ ዘካይድዎ ዝምታን ራስያን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ማእከሎትን ዓበይትን ነጋዶ ሃገርና – ገንዘብኩም ናብ ወጻኢ ከተስግሩ መዲብኩም፥ ንብረትኩም ብሕቡእ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከተስልዂ ሃቂንኩም፥ ኣብ ሸርፍን ሓዋላን ትነጥፉ ኢዂም ፥ ደቅዂምን ስድራዂምን ብላዕ ሂብኩም ካብ ሃገር ከትውጽኡ መሪጽኩም ብዝብሉ ጠቐነታት እንዳተኣስሩ ንብረቶምን ትካላቶምን ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታዉ ከምዘየዕረፈ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ውሽጢ’ዛ ዘየፋረቕናያ ዓመት ጥራይ ዓሰርተታ ነጋዶ ብኸምዚኦም ዓይነት ጠቐነታት ከምእተኣስሩን፥ ኣብ ኣብያተ-ማሕዩር ኣብ ዝጸንሑሉ ግዜ ድማ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ናብ መንበሪ ገዛን ትካላትን እቶም ነጋዶ ብከዉሊ እናኸዱ ክዘምቱን ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት እቶም ነጋዶ ልዑል ገንዘባዊ ቅድመ-ኩነት ብምቕራብ ነቶም ነጋዶ ክፈትሕዎም ከምዝኽእሉ ከእምኑን ከምዝረኣዩ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ኣለው።
እቶም ዝተኣስሩ ነጋዶ ልዑል መጠን ገንዘብ ንሓለፍቲ ከፊሎም መርትዖ ካብ ዘይነበሮ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣብ ዝፍትሕሉ ፡ መካይኖምን ናይ ንግዲ ትካላቶምን ተገቢተን ከምዝጸንሐኦም ንብረቶም ክምለሰሎም ኣብ ዝጠልብሉ እዋን ድማ ሻቡ ናብ ዝነበርዎ ማእሰርቲ ከምዝምለሱ እዩ ዝግለጽ።
ብሰንኪቲ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ፈጢሩሎም ዘሎ ደረት ኣልቦ ናይ ምእሳርን ምህዳድን ሓይሊ ኣብዚ እዋንዚ ኣባላትን ሓለፍትን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሰፊሕ ብልሽውና ተኸቲቶም ምህላዎም፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ዝምታ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማዊ ህዝቢ ካብ ዝዋፈሩ ዓመታት ኣቚጺሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።