ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንዓሰርተታት ዓመታት ፣ ሶማላዉያን ስደተኛታት ኣዕቚቡ ዝጸንሐ መዓስከር እምኩሉ ብወግዒ ምዕጻዉ ምንጭታት ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ካብ 2019 ጀሚሩ ናይ ምዕጻዉ መደብ ተሰሪዕሉ ዝነበረ መዓስከር ፣ ነበርቱ ካብ ኤርትራ ኪወጽኡ ጸቕጥታት ክግበረሎም ብምጽንሑ ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም ናብ ኢትዮጵያ ይግዕዙ ምንባሮም ኣይርሳዕን።
እቲ መዓስከር ክሳብ ዓመተ 2019 ኣስታት 2000 ሶማላዉያን ስደተኛታት ኣጽሊሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ዓመት ፡ ህግደፍ – ብዘይወግዕን ገደብ ግዜን ካብ ሃገር ክለቊ ስለዝሓበሮም በብጉጅለ ብስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ምጽንሖም ይንገር።

እቶም ስደተኛታት ኪንዮ ካብ’ቲ መዓስከር ኽለቁ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ፡ በየናይ መንገዲን መስርሕ ምግዓዝን ካብ ኤርትራ ኽወጹ ከምዘለዎም ንጹር ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦም እዉን ኣይርሳዕን። ብመሰረት ናይ 2019 ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መፋርቕ ክሳዕ ምዝዛም ወርሒ ሰነ ናይ’ቲ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 1,300 ሶማልውያን ብመስመር ዛላምበሳ-ሰርሓ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣብ’ታ ሃገር ዳግማይ ዑቕባ ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ’ቲ እዋን ፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ተርእዮ ልዑል ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ፡ ህግደፍ ንመዓስከር ስደተኛታት እምኩሉ ጠቕሊሉ ንምዕጻው ሓሳብ እንተለዎ ድማ ሓሳቡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዳግመ ግመት ኽገብረሉ ወግዓዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝተረፉ ሶማላዉያን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ኣማኢት ናብ ዓሰርተታት እንዳወሓዱ ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብቲ መዓስከር ዝተረፈ ስደተኛ ከምዘየለን ፡ እቲ መዓስከር ከምተዓጽወን እዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረጋግጽ።

ገዚፍ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ከብል ብዘይዕረፍቲ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጓኖት ስደተኛታት ብዘይወግዕን ብቚዕ ምኽንያተን ካብ ሃገር ከሳጒግ ምድፋሩ ፡ ንሰብመዚ’ቲ ቐለብን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን እቶም ስደተኛታት ንዓሰርተታት ዓመታት ከውሕሱ ዝጸንሑ ኣህጉራውያን ኣካላት ክስደምም ጸኒሑ ኣሎ።

ሶማላውያን ስደተኛታት መዓስከር እምኩሉ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዜጋ ብዘይፍለ፡ ብህግደፍ ብዙሕ ቀይዲን ኣድልዎን ይገጥሞም ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። ብፍላይ እቶም ብመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤትን ምግዓዝ ናብ ሳልሰይቲ ሃገርን ንኽገሹ ካብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኤርትራ ናይ መውጽኢ ቪዛ ዝጠልቡ ስደተኛታት ብዙሕ ጸገማት የሕልፉ ምንባሮም ይሕበር።