ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተሐድሶ እትጓየየሉ ዘላ ዝምድና ፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋን ብቕድመኩነት ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸለለ ዘይምዃኑ፡ ካብቲ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ካሚላ ሃሪስ ብጋና ፈሊማቶ ዘላ ዑደት ይምስከር ኣሎ።

ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተውሕሶ እትደሊ ዝምድና ንስማዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ማእከል ዝገበረ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ካሚላ ሃሪስ ኣብቲ ናይ ጋና ዑደታ ንምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት መንግስታት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረባ ሕቶ ግን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊነትን ንዝምድና ሃገራን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸላዊ ምዃኑ ጥራይ ሸፈፍ ኢላ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣመሪካ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከተደላድሎ እትደሊ ዘላ ኩሉዓይነታዊ ዝምድና ስትራተጂካዊ ምዃኑ እያ ኣስሚራትሉ።

እታ ላዕለዋይቲ ኣመሪካዊት በዓልቲ ስልጣን ብ 25 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣክራ ናይ ጋና ምእታዋ፡ ክሳብ 3 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ መዓልታት ድማ ኣብ ታንዛንያን ዛምብያን ወግዓዊ ምብጻሕ ከምእትገብር እዩ ዝሕበር።

ምብጻሕ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ ስልጣን ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝንህር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቅድድም ምዃኑ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት 17 ላዕለዎት ሰብስልጣን ኣመሪካ ናብ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሖም ኣለዉ።

ዑደት እታ ምክትል ፕረዚደንት ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ከካይዶ ይኽእል እዩ ዝበሃለሉ ምብጻሕ ፡ ባይታ ንምጥጣሕ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ወገናት እዉን ኣለዉ።
ኲናት ዩክሬን ካብ ዝጅምር ፣ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ ንምርግጋጽ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ውድድር ብዘይፍለ ይቀዳደማ ምህላወን እዩ ዝንገር።

ኣመሪካ ፣ ሩስያን ቻይናን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊን ቊጠባዊን ህላዌአን ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ መን ይወግና ኣብ ዝብል ግድል ብዙሕ ይጽገማ ከምዘየ-ለዋ እዉን ይሕበር እዩ።

ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ዝጸንሓ ኩሉዓይነታዊ ጽልዋ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ብዘገምታ ክጎድልን ብቻይና ኪዕብለልን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ዶንጒያ ተረዲኣ ትመስል ኣመሪካ ፣ ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ዩክሬን – ንኣህጉር ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዓይኒን ተገዳስነትን ክትጥምት ዝተገደደት ትመስል።