ናይ ፍርቂ ዓመት ፊስካላዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ብ28 መጋቢት ዝተጋብአ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብተረርቲ ሕቶታት ኣዋጢሩ።

ሓያለ ኣባላት ባይቶ ፣ ንኢትዮጵያ የሰንፍዋ ኣለዉ ዝበልዎም ጸጥታዊ ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊን ፡ ወተሃደራዊን ብድሆታት እንዳጠቐሱ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ምፍታሖም ብዛዕባ ዘርእዮ ዘሎ ድኻማት ከነጽሩ እዉን ተሰሚዖም።

ወኪል ናይቲ ንኣካይዳታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቓልዕ ኪቃወም ጀሚሩ ዘሎ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (NAMA) ዝኾነ ኣባል ባይቶ ኣቶ ክርስትያን ታደለ ዘቕረቦ ሕቶ ሓለፋ ካልኦት ሕቶታት ኣባላት ባይቶ ዝተረረ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣቶ ክርስትያን ታደለ ኣብ ሕቶኡ፣ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ይሕተት ብምህላዉ ስልጣኑ ኪሓድግ ይሓስብ’ዶ!፧” ዝብል እዩ ።

ኣቶ ክርስትያል ታደለ ዘቕረቦ ሕቶ ፣ ንብዙሓት ኣባላት እቲ ባይቶ ኣሰንቢዱ ዘስሓቐ ኮይኑ፣ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፣ ክሳብ ኣብ’ቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ተወዳዲሩ ዝርታዕ ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ስልጣን ከርሕቕ ሓሳብ ከምዘይብሉ ኣብሪሁ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ንኢትዮጵያ ክበታትኑ ንዘኽእሉ ሽርሕታት ባይታ የስብሕ ኣሎ ዝብል ክስታት ከምተሰምዐ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሓያለ ኣባላት ባይቶ ምስ ጸብጻቦም ኣሰንዮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሕቶን ርእይቶን፣ ብሰንኪ ሸለልትነት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ – ቀቢላዊን ክልላዊን ግርጭታት ይዛይዱ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ብረት ይልመድ፣ ምዉቓዕ ዕዳጋን ቀይዲ ዝሰኣነ ዝቕባቤ ሃገራዊ ባጤራ ይንህር፣ ኣብ ኣዲስኣበባን ከባቢኣን ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ናብ መን ዓብለለ መንፈስ ይዛይድ ኣሎን ካልእን ዝብሉ ሓያለ ስክፍታታት ሰሪቶም ከምዘለዉ ዘርዚሮም።

ወኪል ሃገራዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (NAMA) ዝኾነ ኣባል ባይቶ ኣቶ ክርስትያን ታደለ ዘቕረቦ ሕቶ ግን ብቐንዱ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ዝብእስ ዘሎ ምትፍናን ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።

ህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸባሪ ኣዉጺካ ኣብ ትግራይ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ዕብለላ ከይንካእ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጒምትታት ፣ ቅልዉላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረክብ ጠንቂ ኪኾኑ እዮም ዝብላ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክልል ኣምሓራ ፣ ተቛዉሞአን ብወግዒ ከነጽራ ጀሚረን እየን።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ( NAMA) ምስ ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ( ኢዜማ) ብምዃን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተራኺቦም ድሕሪ ዘቃንዕዎ ናይ ምምኽካር ኣኼባ፣ ነቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዉሳኔ ዘለዎም ተሪር ተቛዉሞ ብምግላጽ፣ ህወሓት ካብ መዝገብ ሸበራ ምዉጻእ ማለት ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ኲናት ምሽማም ከምዝኸዉን ኣጠንቂቘም እዮም።

ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሖም ትሑት ምትእምማን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝርዳእ መራሒ ህግደፍ፣ እቶም ሓይልታት ምሉእ ተስፋኦም ኣብ ህግደፍ ኪወድቕን፡ ብመንገዶም ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምጽላዉን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።