ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ደይቡ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ደጊሞም ሓቢሮም። ህዝብና ካብ’ቲ ተለማሚድዎ ዝጸንሐ ሕሰም መንባብሮ ዝብእስ ኩነት የሕልፍ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፡ ሕጽረት ማይ፡ መግቢን መብራህቲን ንምጽዋሩ ብዘይከኣል መጠን ዛዪዱ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ’ቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣመነሉ ኲናት ጎረቤት ገዚፍ ወጻኢታት ከህልኽ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ መነባብሮን ማሕበራዊ ድሕነትን ህዝቢ ፍጹም ረሲዑ ብምህላዉ፡ ህዝብና ቅድሚ ሕጂ ክብጻሕ’ዩ ንዘይበሎ ሕሰም የሕልፍ ከምዘሎ፡ እዚ ከይኣክል ብኣልመምቲ ግፋታትን ጻዉዒታት ክተትን ኣብ ሽቚረራ ከምዝርከብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ መላእ ሃገር ካብ ሰሙናት ክሳብ ኣዋርሕ ይቦኩርን ኩሉዓይነታዊ ንጥፈታት ሃገር ይድስክልን ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ድሕሪ ናይ ክተት ኣዋጅ ሰፊኑ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።

ዝርካቡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኪህባ ዝጸዓራ ዝነበራ መንግስታዉያን ትካላት’ዉን እንተኾነ ሰራሕተኛታተንን መደባተንን ብኣዋጅ ክተት ተጸሊዩ ይርከብ።

ትካላት ትምህቲ፣ ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ካልእን፡ ኣመት ተገልገልተን ምግባር ካብ ዝጽገማ ነዊሕ ከምዘቚጸራ ወሲኾም ዝሓበሩ ምንጭታት ኤሪሳት፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዊጅዎ ዝጸንሐ ዉሽጣዊ ኲናት ልዕሊ ካልእ እዋን ዓጢቑ ይቕጽሎ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ጠልባት ህይወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም መሳርሒ ጭኮና ብምጥቃም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ እኹል መግቢን ማይን፣ ኣገግሎታት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ኤሌክትሪክን ከምዝሓስሞ ጌርካ ፡ ፍጹም ተገዛኢን ተንበርካኺን ንምግባሩ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳምነታት ሂቡ ዝስረሓሎም ዘሎ ፖሊሲታት እዩ።