ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኮይኖም ኣብ ምእሳር ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወፊሮም ዘለዉ ልኡኻት ኤምባሲ ህግደፍ ፡ ዝተኣስሩ ኣሕዋቶም ንመልቀቒ ካብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ተቘራጺ ይሕሰበሎም ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሮም።

ኤምባሲ ህግደፍ ነቶም ልኡኻት ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ተጻጊዖም ፣ እንዳጠቘሙ ኣሕዋቶም ከግፍፉ እሞ ፣ ካብቲ ካብ ማእሰርቲ ንምዉጻእ ዝኽፈል ገንዘብ መቚሽሽ ኪቕበሉ ኣፍቂድሎም ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድ።

ነዚ ኩነታት ዝመዝመዙ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ስምሰራ ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣዝዮም ውሑዳት ዘይሓላፍነታዉያን ኤርትራዉያን ድማ ኣብቲ ዘይሕልናዊ ተግባር ወፊሮም ነሕዋቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ።

ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተዓስቡ ተሓባባበርቲ ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ገዛ ገዛ እንዳእኣተኻ ዝካየድ ዘሎ ምልቃም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመሪሕነት ይዋስኡ ከምዘለዉ ምንጭታትና ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሮም ነይሮም።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ፍቐዶ ጎደናታት ካርቱም ዘካይድዎ ግፋ ሓሊፍዎም ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ይወስዱ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣየናን ከባቢን ገዛን ኪፍተሽ ከምዘለዎ ኣብ ምሕባር ዝነጥፉ ዘለዉ ፡ እቶም ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተላእኩ ምዃኖም እዮም ዚዛረቡ።

ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅሰብ ንነዊሕ ዓመታት ዝነጠፉ እሞ ስራሕ ምስ ዘሓሎም ምስ ህግደፍ ኪጸጋግዑ ዝመረጹ ገለ ዘይሓላፍነታዉያን ኤርትራዉያን፣ ሕልናኦም ቀቲሎም ነቲ ኣሕዋትካ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስራሕ የቃንዑ ኣለዉ።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ኪህሉ ኣመና ዘስግኦ ጉጅለ ህግደፍ፣ ምስ መንግስታትን ሰብመዚ ጸጥታን እተን ሃገራት እንዳተሻረሐ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም መንእሰያት ቀጻሊ ራዕዲን ጸቕጢን ከምዝህሉ ጌርካ ኣርሒቖም ኪስደዱ ንምግዳዶም ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩልዎም ሓያለ ወገናትና ካብ ከተማ ካርቱም ብዘይምቁራጽ መልኽትታት ይሰዱልና ምህላዎም ደጊምና ነፍልጥ።