ኤውሮጳዊ ሕብረት በቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝብእስ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ ምዃኑ ኣብታ ሃገር ሓቅታት ዘጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ27 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ደጊሙ ሓቢሩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ልዑል ደገፍ እንዳሃበ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ከምርሑን ዝተፈላለዩ ግህሰታት ክበጽሖም ይገብር ከምዘሎ እዩ እቲ መርማሪ ጉጅለ ጸብጺቡ።

ኣብ ሊብያ ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት – ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ፡ እቲ ኣጻራይ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ ጸብጻባቱ ዝሓበረ ኮይኑ ኣብዚ ኣዋናዊ ጸብጻብ እዉን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ እዩ ኣስፊሩ።
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ግዳያት ጃማላዊ ቅትለት፡ ኣልመምቲን ዝተወሃሃዱን ጭዉያታት፡ መስወርቲ፡ ድጎናን መግረፍቲን ኮይኖም ምህላዎም ፣ ሰራዊት መንግስቲ ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ግዳማዉያን ሓይልታት፡ ከምኡ’ዉን መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብን ድማ ነቶም ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ምዃኖም ይንገር።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ብማእከላይ ባሕሪ ዘብል ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታኣ ፣ ንከም ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፣ ቱኒዝያን ግብጽን ኩሉዓይነታዊ ሓገዛት የበርኽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ሰጋሮ ስደተኛታት ተረርቲ ስጒምትታት ከተግብር በቲ ሕብረት ገዚፍ ፖለቲካዊን ሎጂስቲካዊን ደገፍ ይረጋገጸሉ ከምዘሎ ይሕበር።

ኣብ ዉሽጢ ዓመተ 2022 ጥራይ 24,684 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ከምተመልሱ ዝሕብር UNHCR ፡ ኣብ 2021 እዉን ልዕሊ 32 ሽሕ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ሊብያ ምምላሶም እዩ ሰነዳቱ ዘረድእ።

ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም፡ እዩ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።